Home ዜና ሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ ንተምሃሮ ማይቅነጣል

ሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ ንተምሃሮ ማይቅነጣል

531
0

ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ከተማ ስያትል ዝነባርነተን ተወላዲት ወረዳ ማይቅነጣል ወይዘሮ ኣለምፀሃይ ተስፋይ ዝተብሃላ ግድስቲ ትግራወይቲ ፤ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ ማይቅነጣል ንዝርከቡ ክልተ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህቲ ንዝመሃሩ 1400 ተምሃሮ ዝውዕል ናውቲ ትምህርቲ ሓደ ሚልዮን ቅርሺ ወፃኢ ብምግባር ብምዕዳግ ብትካል ገባሪ ሰናይ ሙሉ ሃይለስላሴ ኣቢለን ሓገዝ ኣበርኪተን።

እቲ ንተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ማይቅነጣልን መሰናድኦ ቤት ትምህርቲ ገልፋንድን ዝተውሃበ ሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ ን1400 ተምሃሮ ነብሲ ወከፎም 12 ደፍተርን 3 ብርዕን ድጋፍ ዝተዉሃበ ኾይኑ ንክልቲአን ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ከክልተ ዴስክቶፕ ኮምፒዩተርን ሓደ ሓደ ፕሪንተርን ተዋሂቡ እዩ።

ርእሳነ መምህር እተን ኣብያተ ትምህርቲ መምህር ጌቱ ኣዲሱን መምህር ሲሳይ ተካን ኣብያተ ትምህርቶም ብሰንኪ ሓይልታት ፅንተት ሙሉእ ዕንወት በፂሑወን ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘለዋ ብምግላፅ፤ በተን ግድስቲ ወገን ዝተገበረ ሓገዝ ኣብ ጠቕላላ ተምሃሮኦም ዝነበረ ናይ ደፈተርን ቢሮን ፀገም ከምዝፈተሓሎም ሓቢሮም።በተን ግድስቲ ትግራወይቲ ዝተገበረ ድጋፍ ናውቲ ትምህርቲ ዘመስገኑ እቶም መምህራን ኮይኑ ግና እተን ኣብያተ ትምህርቲ ብወረርቲ ሓይልታት ዝዓነዋ ብምዃነን ካልኦት እዉን ዝያዳ ኩለ መዳያዊ ሓገዛት ክገብሩ ተላብዮም።

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ዘፈር ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ከቢድ ዕንወት ከም ዘሎን ዝገለፀ ኣብቲ ምሃብ ሓገዝ ዝተረኸበ ተወካሊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣይተ ሰለሙን ገብረታትዮስ ፣እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ወሳኒ ምዃኑ ብምሕባር ነብሲ ወከፍ ትግራዋይ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ኣብ ምምላእ ናዉቲ ትምህርቲ ተምሃሮ ትግራይ ክረባረብ ይግባእ ኢሉ።

ነቲ ዝተገበረሎም ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ዘመስገኑ ተምሃሮን ተወከልቲ ወለዲ መምህራን ሕብረትን እተን ኣብያተ ትምህርቲ፤ ካልኦት ተምሃሮ ከምኣቶም ሓገዝ ንክረኽቡን ፀገም ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ንምፍታሕ ካልኦት ኣካላት እውን ኣሰር እተን ግድስቲ ዜጋ ክኽተሉ ፀዊዖም ።

ብሳሙኤል ገብረታትዮስ

Previous articleሓሰኻ በለስ ዘጥፍእ ሓዱሽ ዝተምሃዘ ኬሚካል ዛጊድ ብዝተገበረ ፈተነ ዉፅኢታዊ ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ።
Next articleቻይልድ ፈንድ #child fund ዝተባሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ዝርከባ 4 ኣበያተ ትምህርቲ ንዝማህሩ ተምሃሮ ልእሊ 1 ነጥቢ 2 ሚልዮን ቅርሺ ዝዋጋኡ ናውቲ ትምህርቲ ሓገዝ ለጊሱ።