Home ዜና ሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ ንትግራይ

ሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ ንትግራይ

738
0

—-

ቢሮ ትምህርቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ንቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ናይ 5 ነጥቢ 8 ሚልዮን ብር ዝግመት ናዉቲ ትምህርቲ ሓገዝ ኣበርኪቱ።ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮሚያ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ዝነበሩ ተምሃሮ ትግራይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንክምለሱ ኣብ ዝግበር ዘሎ ዕማም ንምድጋፍ ናይ 5 ነጥቢ 8 ሚልዮን ብር ናዉቲ ትምርቲ ንቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣረኪቡ። ቢሮ ትምርቲ ክልል ኦሮምያ ልዕሊ 5 ነጥቢ 8 ሚልዮን ዝግምቶም 61 ዴስክ ቶፕ ኮምፒዉተራት 100 ሺህ ጥራዛት ሓዊሱ ብርዕን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ናዉትን ንቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ከም ዘረከበ OBN ፀብፂቡ ። ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮምያ ዶ/ር ገላና ወልደሚካኤል ነቲ ሓገዝ ንዳይሬክትር ኢንፎርሜሽን ኮሚዩኒኬሽን ቴክኖሎጂ ICT ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ኣረጋዊ ከም ዘረከቡ ኦቢኤን ፀብፂቡ።

Previous articleለበዋ ኮሚሽን ምሕደራ ብሄራዊ ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣብ ምቕፃል ሓገዝ ትግራይ
Next articleዘተ ምስ ልኡኽ ባንኪ ዓለምን ሚኒስትር ፋይናንስ ፌዴራልን