Home ዜና ሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ

ሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ

460
0

ማሕበር ምትሕግጋዝ ወረዳ እንዳባፃሕማን ከባቢኣን ነባርነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝኾኑ ዶ/ር ነጋ ገ/እግዚኣብሄር ምስ ስድርኦም ዝረኸብዎ ሓገዝ ኣብ ወረዳ እንዳባፃሕማ ንዝርከቡ ተምሃሮ ዝውዕል 80 ሽሕ ደፍተርን 8ሽሕ ብርዒን ንቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣረኪቡ።እቲ ሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ ብ2 ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ እንትኾን ን10 ሽሕ ተምሃሮ ንሕድሕዶም 8 ደፍተርን ብርዒን ከም ዝበፅሖም ተሓቢሩ።እቲ ሓገዝ ብቐፃልነት እዉን ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ኣካላት ሓቢሮም።

#ብጥዕማይ ገዛኢ

Previous articleሓገዝ ፆታዊ ዓመፅ ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ
Next articleሽልማት ባንኪ ወጋገን