Home ትምህርቲ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ

ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ

1064
0

ነበር ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ንዝተፀገሙ ተምሃሮ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ናውቲ ትምህርቲ ሂቦም።ነበር ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ከተማ መቐለ ዘተኣኻኸብዎ 500 ደፍተር ፀገም ቀረብ ናውቲ ትምህርቲ ንዝለዎም 100 ተምሃሮ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ኣረኪቦም።

ኣብ ከይዲ ምጥያሽ ዝርከብ ማሕበር ፎረም ኣብርሆት ኣባልዝኾነት ሄለን ነጋሽ ብግዲኣ፤ ኣብ ፈለማ ዘተኣኻኸብዎ ናውቲ ትምህርቲ ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንተምሃሮ ንክባፃሕ ከምዝተረከበን ሐዚ ድማ ንኻልኣይ እዋን ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ንዘለዎም ተምሃሮ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ከምዝተዓደለ ገሊፃ፡፡ ኣብ ቀፃሊ ድማ ንካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ሓገዝ ንምሃብ ከምዝሰርሑ ኣረዲኣ።

ኣብቲ ርክክብ ዝተረከቡ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ትምህርትን ስልጠናን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ሰለሞን ሕሉፍ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኸፈተሉ ቅሉዕ ኲናት ስዒቡ ንብርክት ዝበሉ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ከምዝተቃልዐን ተምሃሮ ድማ ሓደ ኣካል ግዳይ እቲ ኲናት እዮም ምስበሉ ነበር ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ተምሃሮ ብሰንኪ ስእነት ናውቲ ትምህርቲ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከይርሕቁ ብዓርሰ ተበግሶ ዘተኣኻኸብዎ ናውቲ ትምህርቲ ሓጊዞም።

እቲ ሐዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩለ መዳይ ፀገም ብምትሕግጋዝን ብምትሕብባርን ዝስገር ስለዝኾነ ኩሉ ዝከኣሎ ሓገዝ ክገብር ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ሰለሞን ሕሉፍ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ዝተገበረሎም ህፃናት ድማ ኣብ ትምህርቶም ልዑል ትኹረት ክገብሩ ይግባእ ኢሎም።እቲ ብኣባላት ማሕበር ፎረም #ኣብርሆት ኣቢሉ ንተምሃሮ እቲ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ዝተውሃበ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ኣዝዩ ዝምስገን እዩ ዝበላ መምህር ምላሹ ኪሮስ ብግዲአን፤ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝምሃሩ ተምሃሮ ዘለዎም ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ዓብይ ብምዃኑ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዕንቅፋት እናፈጠረ እዩ፤ እዞም ነበር ተምሃሮ ዝሃብዎ ሓገዝ እቲ ፀገም ኣብ ምፍታሕ ልዑል እጃም ኣለዎ ኢለን፡፡ ካልኦት ‘ውን ኣሰር ፎረም ኣብርሆት ብምስዓብ ሓገዝ ክገብሩ ፀዊዐን።

Previous article“በዓል ቤተይ ብዕስለ ከም ዝተዓመፅኩ ምስ ነገርክዎ ከም ዝፈትሓኒ ነግሩኒ”ኣብ መንበሪ ገዝኣ ብዕስለ ዝተዓመፀት ንእስቲ
Next articleልምዓት መስኖ ንምክልካል ጥሜት