Home ዜና ሓገዝ ንህፃውንትን ሓራሳትን

ሓገዝ ንህፃውንትን ሓራሳትን

841
0

ማሕበር ተራድኦ ሕድርና ካብ ትካል ገባሪ ሰናይ ቲዲኣር ኤፍ ዝረኸበቶ 551 ሽሕ ቅርሺ ዝዋግኡ ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ደንጎላት ዝርከቡ ትሕቲ ክብደት ንዝኾኑ ህፃውንትን መጥበውቲ ሓራሳትን ዝተመጣጠነ ምግቢ ሓገዝ ገይራ ፡፡ ወረዳ ሕንጣሎ ከተማ ደንጎላት ዝርከባ መጥበውቲ ኣዴታት ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ቅልውላው ተጠቂዐን ኣብ ዝኸፈአ ዓፀባ ይርከባ፡፡

ነዚ ምኽንያት ብምግባር ማሕበር ተራድኦ ሕድርና ካብ ትካል ገባሪ ሰናይ ተዲኣርኤፍ ካብ ዝረኸበቶ ልዕሊ 551 ሽሕ ቅርሺ ዝተመጣጠነ ምግቢ ብምድላው ንከባቢ 150 ህፃናትን መጥበውቲ ሓራሳትን ነንሕድሕዶም 10 ኪሎ ሓገዝ ገይራ ፡፡

ግዝያዊ ኣማሓዳሪ እታ ጣብያ ኣይተ ሃይለ ሓለፎምን ሓላፊት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮን ወይዘሮ ደንበር ኣብርሃን ብወገኖምን ብዙሓት ህፃናትን መጥበውቲ ሓራስትን ንዝለዓለ ፀገም ተሳጢሖም ብምህላዎም ኣብ ደገን ውሽጢ ዓድን ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ክበፅሕሎም ተላብዮም፡፡ተወካሊት ማሕበር ተራድኦ ሕድርና ሩታ ብርሃነ እቲ ዝተዳለወ ዝተመጣጠነ ምግቢ ትሕቲ ክብደት ንዝኾኑ ህፃናትን መጥበውቲ ኣዴታትን ዓብዪ ረብሓ ከም ዘምፅእ ተሓሳቢ ብምግባር ከም ዝተዳለወ ብምግላፅ እቲ ሓገዝ ንተኸታታሊ ሽዱሽተ ወርሒ ከም ዝቕፅልን እውን ተዘሪባ፡፡ማሕበር ተራድኦ ሕድርና ኣብ ወረዳ ሓውዜንን ንዝርከቡ ህፃናትን ሓራሳትን እዉን ብቐፃሊ ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ከም እትገብር ኣብቲ እዋን ንምፍላጥ ተኻኢሉ፡፡

ብ ኣስቴር ገብረ ስሉስ

Previous articleትፅቢት ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
Next articleህንፀት ዝዓነው ትካላት ማይ ትግራይ