Home ዜና ሓገዝ ንተመዛበልቲ ዞባ ምብራቕ ትግራይ

ሓገዝ ንተመዛበልቲ ዞባ ምብራቕ ትግራይ

1222
0

ዲያስፖራ ትግራይ ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ዛላምበሳን ከባቢኣን ንልዕሊ 2400 መራሕቲ ስድራ ተመዛበልቲ ወረዳ ጉሎመኸዳን ከተማ ዛላምበሳን ልዕሊ 6 ሚልዮን ብር ሓጊዞም፡፡

ብሰንኪ ኣራዊት ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኩሉ ነገሮም ስኢኖም ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝርከቡ ዝገለፁ እቶም ተመዛበልቲ መራሕቲ ስድራ በታ ማሕበር ይግበረሎም ንዘሎ ገንዘባዊ ደገፋት ኣመስጊኖም፡፡

ወይዘሮ ዘርኣዳዊት ተወልደመድህን ካብ ከተማ ዛላምበሳ ምስ ስድርአን ካብ ዝመዛበላ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ኮይንዎን ኣሎ፡፡ እዘን ሰለስተ ግዜ ከምዝተመዛበላ ዝገለፃ መራሒት ስድራ ኣዶ ኣብ 2015 ዓ/ም ኣራዊት ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብዘካየዶ ወራር ናብ ከተማ ዓዲግራት ምስ ከምአን ዝበሉ ተመዛቢለን ተደራረብቲ ፀገማት የጋጥምዎም ከምዘለዉ ተዛሪበን፡፡

ነቲ ዘሎ ፀገም ተመዛበልቲ ከተማ ዛላምበሳን ወረዳ ጉሎመኸዳን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ አሜሪካ፣ ኣውሮፓን እስራኤልን ዝርከቡ ተወለድቲ ከተማ ዛላምበሳን ወረዳ ጉሎመኸዳን ሓገዝ ምግባሮም ተመዛበልቲ ወገናት ኣመስጊኖም፡፡

ዲያስፖራ ትግራዎት ፀገም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምቅላዕ ዘይሕለል ፃዕሪ ምግባሮምን ብዘይዕርፍቲ ብምስራሕ ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ይፍፅሙ ምህላዎም ዝገለፁ ኣቦ መንበር ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ዛላምበሳን ከባቢኣን ኣይተ ምሩፅ ደስታ ቅድም ክብል ተደጋጋሚ ሓገዝ ይገብሩ ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር ኣብዚ ሕዚ እዋን ን2400 መራሕቲ ስድራ ልዕሊ 6 ሚልዮን ብር ተኸፋፊሉ ኣሎ ኢሎም፡፡

ዲያስፖራ ትግራይ ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ዛላምበሳን ከባቢኣን ኣብ ወሳኒ እዋን ገይሮምዎ ዘለዉ ሓገዝ ዝነኣዱ ሓላፊ ፀጥታ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ገብረ ካሕሳይ ይኹን እንበር ካብ ወረዳ ጉለመኸዳ ፣ ከተማ ዛላምበሳን ካልኦት ከባብታትን ብሰንኪ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ዝተመዛበለ ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ሽሕ ህዝቢ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ከምዘሎ ኣብ ግምት ኣእትዮም ካልኦት እውን ሓገዞም ከጠናኽሩ ፀዊዖም፡፡

ዲያስፖራ ተወለድቲ ከተማ ዛላምበሳን ወረዳ ጉለመኸዳን ከምኡ እውን ፈተውትን ኣሕዋትን ኤርትራውያንን ኣብ ኣርባዕተ ዙራት ዘተኣኻኸብዎ ቅድሚ ሕዚ ዝተዓደለ 8 ነጥቢ ክልተ ሚልዮን ብር ሓዊሱ ዛጊድ ልዕሊ 14 ሚልዮን ብር ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ንዝርከብ ህዝቢ ሓገዝ ምግባሮም ኣተሓባበርቲ እቲ ሓገዝ ሓቢሮም፡፡

#ብገ/መስቀል ኪሮስ

Previous articleጠለብ መሰረታዊ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን
Next articleህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ መበል 55 ጉባኤ ኣፍሪካ ብሄራዊ ኮንግረስ ተረኺቡ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ ከምዘሕለፈ ተፈሊጡ።