Home ዜና ሓገዝ ንዝተፀገማ ደቂኣነስትዮ

ሓገዝ ንዝተፀገማ ደቂኣነስትዮ

472
0

ኣብ ማእኸላይ ጣልያን ከተማ ቶስካና ዝነባርነተን ማሕበር ደቂ ኣንሰትዮ ተጋሩ፣ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ ማይቅነጣል ኣብ ከቢድ ፀገም ንዝርከባ 106 ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ኣበርኪተን።

እቲ ብትካል ምግባረ ሰናይ ሙሉ ሃይለስላሴ ኣቢሉ ዝተወሃበን ሓገዘ፣ ነተን ተሓገዝቲ ነፍሰ ወከፈን ኣርባዕተ ሽሕ ብር ዝተወሃበን ኮይኑ፤ ግዝያዊ ፀገመን ከምዝፈትሓሉ ብምግላፅ ዝተገበረለን ሓገዝ ኣመስጊነን፡፡

ኣዶወንበር ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ዞባ ማእኸል ወ/ሮ ፍረወይኒ ኣለምብርሃን፤ ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 55 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝኸፈአ ፀገም ስለዝርከባ ተጋሩን ፈተዉቲ ትግራይን ህፁፅ ሓገዛት ክገብሩ ፀዊዐን ፡፡

ብሳሙኤል ገብረታትዮስ

Previous articleዘተ ምስ ውጉኣት ተጋደልቲ ትግራይ
Next articleቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ ኣክሱም ብሰንኪ ኵናት ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕናወንን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ብዘይ ምምላሶምን ከቢድ ስእነት ናዊቲ ትምህርቲን መምሀሪ ክፍሊን ከምዘጋጠሞ ገሊፁ፡፡