Home ዜና ሓገዝ ዲያስፖራ ንፅጉማት ነበርቲ ከተማ መቐለ

ሓገዝ ዲያስፖራ ንፅጉማት ነበርቲ ከተማ መቐለ

1229
0

ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝነብሩ ተወለድቲ ከተማ መቐለ ደቂ ቀበሌ 11 ን180 ፅጉማትን ኣረጋውያንን 450 ሽሕ ብር ሓገዝ ገይሮም፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ዲያስፖራ ትግራይ ነቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፋሽሽታዊ ግፍዕን ዕፅዋን ማሕበረሰብ ዓለም ክፈልጦ ውፅኢታዊ ቃልሲ ይገብሮ ኣሎ፡፡
ካብ’ዚ ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓፃባ ንምቅላል ፅጉማት ብምሕጋዝ ዝለዓለ ኣበርከቶ እናገበሩ እዮም፡፡ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝነብሩ ተወለድቲ ከተማ መቐለ ደቂ ቀበሌ 11 ን180 ፅጉማትን ኣረጋውያንን ንሕድሕዶም 2500 ብር ብድምር 450 ሽሕ ብር ሓገዝ ገይሮም ኣለዉ፡፡
ሓገዝ ዝተገበረሎም ነበርቲ እታ ቀበሌ ብወገኖም እቶም ዲያስፖራ ዝገበርዎ ሓገዝ ፀገምና ኣብ ምቅላል ልዑል ግደ ስለዘለዎ ክምስገን ዝግበኦ ቅዱስ ተግባር እዩ ኢሎም፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ዲያስፖራ ትግራይ ኣሰር እዞም ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝርከቡ ተወለድቲ ከተማ መቐለ ቀበሌ 11 ብምስዓብ ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ሓገዝ ክገብሩ ፀዎዖም፡፡
ነቲ ሓገዝ ዘበርከቱ ተወካሊ እቶም ዲያስፖራ ኣይተ ልሳኑ ኣሸብር ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ነቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓፀባ ተገንዚቦም 10 ሽሕ ዶላር / 450 ሽሕ ብር /ብምልኣኽ ን180 ፅጉማት ከምዝሓገዙ ገሊፆም፡፡ እቶም ዲያስፖራ ተወለድቲ ከተማ መቐለ ቀበሌ 11 ሓገዞም ኣጠናኺሮም ከምዝቅፅሉን ኣብ ቀረባ እዋን ካልኣይ ዙር ሓገዝ ከምዝገብሩ እውን ኣይተ ልሳኑ ሓቢሮም፡፡
ብጎይተኦም ተኸስተ

Previous articleምንፃግ ጥርዓን ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ
Next articleምጅማር ፆመ ረመዳን