Home ዜና ሓገዝ ድያስፖራ ትግራይ

ሓገዝ ድያስፖራ ትግራይ

827
0

ኣብ ጀርመን ዝረከቡ ደያስፖራ ትግራይ ንክልተ ኣዋርሕ ኮንሰርት ኣካይዶም ዝኣከብዎ ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ኽልተ ሚልዮን ብር ኣብ ከተማ ዓብይዓዲ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ኣዴታትን ህፃናት ብገባሪት ሰናይ እሞሆይ ፀጋ ኣቢሎም ሓጊዞም፡፡

ብሰንኪ ሓይልታት ፅንተት ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ዓብይዓዲ ዘዕቀቡ መፅለሊ ዘይብሎም ኣብ ጥምየትን ስቃይን ዘለዉ ህፃናትን ኣዴታት ዝዓለመ ኮንሰርት ብነበርቲ ሀገረ ጀርመን  ደያስፖራ ትግራይ ንክልተ ኣዋርሕ ብምክያድ  ዝኣከብዎ ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ክልተ ሚልዮን ብር ሓገዝ ምግቢ ሩዝ ጌይሮም፡፡ሓገዝ ዝተገበረሎም ተመዛበልቲ ኣዴታትን ህፃናትን ኣመስጊኖም፡፡

በቲ ዝተበፀሐ ቆዋሚ ስምምዕነት ቶክሲ ደው ምባል ሕጉሳት ምኻኖም ዝገለፁ እቶም ተመዛበልቲ ተግባራዊ ኮይኑ ሓይልታት ፅንተት ካብ ሒዝሞ ዘሎ መሬት ትግራይ ክወፁ ተስፋና እዩ ዝበሉ  ብተወሳኺ እዞም ህፃናት ናብቲ ዝናፈቅዎ ማኣዲ ትምህርቲ ድሕሪ 3 ዓመታት ክምለሱ ባህጊ ኣለዎም፡፡

ብሰናይ ተበግሶ ብርክት ዝበለ ሕብረተሰብ ሓብሒበን ሓገዝ ዕለታዊ ምግቢ ዝህባ ዘለዋ ነቲ ሓገዝ ዝተረከባ ገባሪት ሰናይ እሞሆይ ፀጋ ደያስፖራ ትግራይ ኣብዚ ፈታኒ እዋን ኮይኖም ደኺሙና ረብሪብና ከይበሉ ንህዝቦም ዝገብርዎ ዘለዉ ዓርሰ ምትሕግጋዝ ኣመስጊነን ፡፡

ብሰላማዊት ገብረኣምላኽ

Previous articleተበግሶ ሰላም ሰራዊት ትግራይ
Next articleምጅማር ግልጋሎት ባንኪ ከተማ ኣኽሱም