Home ዜና ሓገዝ ግዱሳት ኤርትራውያን

ሓገዝ ግዱሳት ኤርትራውያን

866
0

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ ዓለም ዝነበሩ ኤርትራውያን ብኣተሓባባሪነት ግዱስ ኤርትራዊ ሰልጠነ ግርማይን ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት #ትግራይን ኣብ ከተማ ዓብዩ ዓዲ ኣብ ትሕቲ ምግባረ ሰናይ እመሆይ ፀጋ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ  ክልተ ሚልየን ብር ሓገዝ ገይሮም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ ዓለም ዝነበሩ ኤርትራውያን ደቂ 14 ዓዲታት ወረዳ መፅሐ፣ንኡስ ወረዳ ኳዕቲት ልዕሊ 35 ሕሽ ዶላር ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ተወለድቲ ዓዲ ማርታ ማይ ጎዱፍ ሰራወስ፣ ወረዳ ደርጨን ኣውራጃ ኣክለ ጉዛይ ሃገረ ኤርትራ ድማ ልዕሊ 3,700 ዶላር ተወለድቲ ማይ ኣልባን ዒለምን ንኡስ ወረዳ እንዳ ኣዝማች ዑቕቢት፣ ወረዳ ዓዲ ዃላ ኣውራጃ ሰራየ ድማ ልዕሊ 6,700 ዶላር ብድምሩ ክልተ ሚልየን ብር ብኣተሓባባርነት ግዱስ ኤርትራዊ ሰልጠነ ግርማይን ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይን ንምግባረ ሰናይ እመሆይ ፀጋ ተበርኪቱ፡፡

ኣብ ከተማ ዓብዩ ዓዲ ተረኺቦም ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ህይወት እቲ ሓገዝ ርክብን ሓድነትን ህዝቢታት ትግራይን ኤርትራን ኣብ ምምሕያሽ ግደ ኣለዎ ኢሎም፡፡

ነቲ ሓገዝ ዝተረከባ እመሆይ ፀጋ ግዱሳት ኤርትራውያን ዝገብርዎ ዘለው ሰናይ ተበግሶ ብምንኣድ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ተኣልዩ ኣብ ራህዋ ክነብር ተመንየን ፡፡

ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ህዝቢታት ትግራይን ኤርትራን ደም ንምትካል ዝተዋደደ ግፍዒ እንትፍፅሙ ከምኒ ሰልጠነ ግርማይ ዝበሉ ግዱሳት ኤርትራውያን ዝገብርዎ ዘለው ሓገዝ  ነመስግን ዝበሉ ድማ ተሓገዝቲ ወገናት እዮም፡፡

ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ስቓይና እዩ ኢሎም ይገብርዎ ንዘለው ሓገዝ ብሽም ምምሕዳር ከተማ ዓብዩ ዓዲ ዘመሰገኑ እውን ከንቲባ እቲ ከተማ ኣይተ ዮሃንስ ገ/ኣምላኽ እዮም፡፡

ምግባረ ሰናይ እማሆይ ፅገ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ብሕልፊ ካብ ምዕራብ ትግራይ ብግፍዐኛታት ወረርቲ ሓይልታት ልፍንቲ ኣምሓራ፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈናቐሉን ኣብ ሕሱም ጥምየት ዝርከቡን ልዕሊ 24 ሽሕ ወገናት ሓቍፉ ኣብ ምሕጋዝ ከም ዝርከብ እቲ ምግባረ ሰናይ ኣረዲኡ፡፡

ብሕሉፍ ካሕሳይ

Previous articleዝለዓለ ሽልማት ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም
Next articleምቁራፅ ምግቢ ንተሓከምቲ ሆሰፒታል መቐለ