Home ዜና ሓገዝ ፆታዊ ዓመፅ ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ

ሓገዝ ፆታዊ ዓመፅ ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ

528
0

ብምትሕብባር ቢሮ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፣ ኣብ ኮምፕረንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ግልጋሎት ሓደ ማእኸል ሕክምና ፍትሕን ስነ-ልቦናን ትካል ገባሪ ሰናይ ኣይስ ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ተዋሂቡ ። እቲ ሓገዝ ካብ ግዱሳት ዲያስፖራ ትግራይ ዝተረኸበ ኮይኑ ግዳይ ፃታዊ ዓመፅ ንዝኾና ሓደ ሚኢትን ዓሰርተ ሓደን ደቂ ኣንስትዮ ንሕድሕደን 5 ሽሕጨብር ተሓጊዘን ።እቲ ብሓልዮት ትካል ገባሪ ሰናይ ኣይስ / EYES ኣቢሉ ዝተውሃበ ሓገዝ ዋና ስራሕ መካየዲ ኣይተ ብስራት መስፍን ትግራወይቲ ኣዶ ተቐኒታ ትቃለስ እንበር ኣይትምብርከኽን ዝበሉ እንትኾኑ እቲ ካብ ኢንስቲዩት ግሎባል ሲስተርስ ሁድ ትግራይ #TSGI ዝተረኸበ ሓገዝ ብር 555 ሽሕ ምዃኑ ብምግላፅ ንዝተረኸበ ሓገዝ ብምምስጋን እተን ግዳያት እግሪ ክሳብ ዝተኽላ ቀፃሊ ክኸውን ድማ ተላቢዮም ።

ሓላፊት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወ/ሮ ፍረወይኒ ገ/እግዚሄር ብወገነን ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮ ምሕጋዝ ስድራ ቤት ሙሉእ ምሕጋዝ ብምዃኑ ዳያስፖራ ትግራይ ነዘን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ንቡር ናብርአን ተመሊሰን ሰሪሐን ዓርሰን ክሳብ ዝኽእላ ደገፎም ቀፃሊ ንኽኸውን ተላብየን ።እተን ደገፍ ዝረኸባ ወገናት ብግዲአን ሓገዝ ብምምስጋን ዳያስፖራ ትግራይ ምስ ህዝብን መንግስትን ብምትሕብባር ብዘላቒ ሰሪሐን እግሪ ክተኽላሉ ዝኽእላ መንገዲ ክፍጠር ደገፍ ክግበረለን ሓቲተን ።ዛፉ ገ/ዮሃንስ

Previous articleወረርቲ ሓይልታት ካብ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣታት ትግራይ ክወፁ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለምለኸ መንጐኛታትን ክሰርሑ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራንን ሰብ ሞያን ተጋሩ ፀዊዑ።
Next articleሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ