Home ዜና ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ካብ 14—20 ጉንበት 2015 ዓ/ም ብሕማም ሞራ ዓይኒ ዝተጠቕዑ...

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ካብ 14—20 ጉንበት 2015 ዓ/ም ብሕማም ሞራ ዓይኒ ዝተጠቕዑ ወገናት ግልጋሎት ሕክምና ከም ዝህብ ኣፍሊጡⵆ

619
0

እዚ ግልጋሎት ሕክምና ሕማም ሞራ ዓይኒ ን2ይ ዙር ከም ዝዋሃብ ዝሓበሩ ኣካያዲ ስራሕ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዂሓ ኣይተ መረሳ ገብረስላሴ እቶም ግልጋሎት ሕክምና ዝረኽቡ ወገናት ካብ ዞባ ምብራቕ ጥራሕ ዝተመልመሉ እንትኾ በዝሖም ካብ 700ክሳብ 1000 ሰባት መጥባሕቲ ዓይኒ ክግበረሎም ምድላዋት ከም ዝተወገነ ሓቢሮምⵆ

እቶም ግልጋሎት ሕክምና ክግበረሎም ዝተመልመሉ ኣካላት ናይ መጓዓዝያ ሓዊሱ ሙሉእ ወፃኢኦም ከም ዝሽፈነሎም ዝሓበሩ ኣይተ መረሳ በቢ ደረጅኡ ናብ ካልኦት ዞባታት እውን ስለ ዝቕፅል ካብ ዞባ ምብራቕ ወፃኢ ንዝመፁ ወገናት ግልጋሎት ሕክምና ስለ ዘይዋሃብ ንዘይተደለየ ወፃኢታት ከይሳጥሑ መልአኽቶም ኣሕሊፎምⵆ

# ብርሃነ መስፍን

Previous articleተስፋታት ግልጋሎት ጉምሩክ መቐለ
Next articleምምላእ ናውቲ ምርምር ሕክምና ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ