Home ዜና ሕሪይቲ ጋንታ ኣትሌቲክስ ትግራይ

ሕሪይቲ ጋንታ ኣትሌቲክስ ትግራይ

408
0

57 ኣባላት ዝሓቖፈት ሕርይቲ ጋንታ ኣትሌቲክስ ትግራይ ኣብ መበል 52 ውድድር ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሓ፡፡

ኣብቲ ብኣሰናዳእነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ 8 ክሳብ 13 ጉንበት 2015 ዓ/ም ዝካየድ ዉድድር ኣትሌቲክስ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘቕነዐት ሕሪይቲ ጋንታ ትግራይ ክካየድ ብሰንኪ እቲ ክባን ዕፅዋን እቶም ኣትሌታት ዘካየድዎ ልምምድ ሓፂር እኳ እንተኾነ ኣብቲ ውድድር ምስታፋ ንቐፃሊ ትምህርቲ ንምውሳድ ከምዝሕግዝ ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ትግራይ ኣይተ ኪዳነ ተክለሃይማኖት ሓቢሮም፡፡

ፀሓፊ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ትግራይ ኣይተ ሃፍቶም በርሀ ብግድኦም ኣትሌታት ትግራይ ንልዕሊ ኽልተ ዓመታት ከቢድ ሃሰያ ከምዘጋጠሞም ብምሕባር ሓፂር ምድላው ብምግባር ኣብቲ ውድድር ከምዝሳተፉ ገሊፆም፡፡

እቶም ኣትሌታት ካብ ሓፂር ክሳብ ነዊሕ ርሕቐት ብኽልቲኡ ፆታ ከምዝወዳደሩ እውን እቶም ፀሓፊ ኣገንዚቦም፡፡ ኣትሌታት ኣለሙ ካሕሳይን መሰረት ፀሃየን ኣብ መበል 52 ውድድር ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንትግራይ ወኪሎም ካብ ዝወዳደሩ ኣትሌታት ገሊኦም እንትኾኑ ልዕሊ ኽልተ ዓመታት ካብ ውድድራት ርሒቖም ከም ዝፀንሑን ኣካላዊን ስነ-ልቦናዊ ጉድኣት ከምዘጓነፎምን ተዛሪቦም፡፡

እቲ ሕዚ ዝሳተፍሉ ዘለው ውድድር ከምመበገሲ ብምውሳድ ንቐፃሊ ፅቡቕ ውፅኢት ንምምዝጋብ ከምዝፅዕሩ እውን ገሊፆም፡፡

ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ

Previous articleኣብ ኢትዮጵያ ብኣኽበርቲ ሕጊ ዝፍፀም ዘሎ ስቅያትን ዘይግቡእ ኣተሓሕዛን
Next articleበዓል ሃፍቲ ኣይተ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ንኣብያተ ትምህርቲ ከተማ ዓዲግራት ንምሕጋዝ ብዝኣተዎ ቃል መሰረት ሎሚ ኣረኪቡ።