Home ማሕበራዊ ሕራነ  ነበርቲ  ዓዲ ዳዕሮ

ሕራነ  ነበርቲ  ዓዲ ዳዕሮ

936
0

ብደብዳብ ልፍንታውያን ወረርቲ ንድሕሪት ዝብል ቃልስን ደጀንነትን ከምዘየለ ነበርቲ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ኣረጋጊፆም፡፡

ተደጋጋሚ ደብዳብ ልፍንታውያን ወረርቲ ንስሙር ቃልስን ደጀንነትና ንኽነጠናኽርን ዘለዓዕለና እዩ ኢሎም ነበርቲ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ:: እቶም ነበርቲ እዚ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ወገናት ዝግበር ዘሎ ደብዳብ ተግባር ቀቢፀ ተስፋ ፋሽስታውያን ዘረድእን ዓወት ምክልካል ሰራዊት ትግራይ ድማ ዘበስርን ምዃኑ ገሊፆም::

እቶም ነበርቲ ወሲኮም ከምዝገለፅዎ  እዚ ቃልሲ ንክዕወት ግደ ኩሉ ትግራዋይ ዝሓትት ብምዃኑ ኣብ ስራሕቲ ደጀንነት ኩላትና እጃምና ልዑል ክኸውን ይግባእ ኢሎም::

ብፀላእቲ ተኸቢብና ድቃስ የለን ዝበሉ እቶም ነበርቲ ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ዘረጋግፀሉ እዋን ሕዚ እዩ እሞ እቲ ኣብ ጫፍ ዓወት በፂሑ ዘሎ ቃልሲ ህላወ ንክዕወት ግዲኡ ዝለዓለ ምዃኑ ተረዲኡ ክኸትት ከምዘለዎ ሓቢሮም::

ምዕራፍ ገ/ፃዲቕ 

Previous articleትግራይ መዐንደሪት ዘይኮነትስ፣ መቕበሪት ወረርቲ ሓይልታት እያ!!
Next articleደብዳብ ድሮን ከተማ ሽረ