Home ዜና ሕቶ ህፁፅ ሓገዝ ንስደተኛታት ትግራይ

ሕቶ ህፁፅ ሓገዝ ንስደተኛታት ትግራይ

740
0

ኣብ ሱዳን ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት ትግራይ  ህፁፅ ሓገዝ ክግበረሎም ከምዝግባእ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ሓቲቶም፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ቅሉዕ ወራር ስዒቡ ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ልዕሊ 60 ሽሕ ስደተኛታት ትግራይ ዓለም ለኸ  ኤጀንሲ ልምዓት ኣሜሪካ /USAID/ ህፁፅ ሓገዝ ክገብረሎም ከምዝግባእ ኣባላት ሰኔትን ኮንግረስን ኣሜሪካ ሓቲቶም፡፡

እቶም 19 ኣባላት ክልቲኡ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ናብ ሓላፊት እቲ ትካል ሳማንታ ፓወር ብሓባር ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ኡምራ ኩባ፣ ሓምዳይትን ተነድባን ዝርከቡ ስደተኛታት ትግራይ ኣብ ዝኸፍአ ብርኪ ከምዘለው ብምጥቃስ ከምእኽሊ፣ መፅለሊ፣ ሕክምና፣ ዝስተ ማይን ካልኦት ሰብኣዊ ሓገዝን ክግበረሎም ከምዝሓተቱን ድሕንነቶም ክሕለው ከምዘለዎ እውን መፀዋዕታ ኣቕሪቦም፡፡  

ንዶብ ኣልቦ ሓኻይም ብምጥቃስ እቶም ስደተኛታት እኹል ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይረኽቡን ንከቢድ ሓደጋ ተቓሊዖም ምህላዎምን እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ወሲኾም ኣተሓሳሲቦም፡፡ ንኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሼርማንን ኣባል ሰኔት ኣሜሪካ ጄፍ ሜርክለይን ሓዊሱ 19 አባላት ክልቲኡ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ህይወት እቶም ስደተኛታት ንምድሓን ቕልጡፍ መፍትሒ ክውሰድ ድማ ኣተሓሳሰሲቦም፡፡

ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ

Previous articleበዓል ኣሸንዳ 2014 ዓ/ም ብድምቀት ንምኽባር ምድላው ይግበር ኣሎ፡፡
Next articleዑደት ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኣፍሪካ