Home ዜና ሕውየት ስነ ልቦና

ሕውየት ስነ ልቦና

1230
0

—-

ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ንምዕባይ ዝሰርሕ ትካል ኣሊፍ ሸዋል ዒድ ምኽንያት ብምግባር ምርኢት ኪነ ጥበብ ኣሳሊጡ።

ብሰንኪ ፋሽስታውያንን መሻርክቶምን ዘራያት ኣተኣኻኪቦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ #ትግራይ ዘካየድዎ ቅሉዕ ወራር ፣ ብርክት ዝበለ ማሕበረሰብ ንስነ-ልቦናዊ ፣ ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ማህሰይቲ ተቓሊዑ እዩ። ማሕበረሰብ ኣጋጢምዎ ካብ ዘሎ ማህሰይቲ ንምቅላል ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት  ንምዕባይ ዝሰርሕ ትካል ኣሊፍ ሸዋል ብምኽንያት በዓል ዒድ ምርኢት ኪነ ጥበብ ኣሳሊጡ።

ኣባላትን ኣመራርሓን ትካል ኣሊፍ  ፋሽስታውያን ሓይልታት ዘራያቶም ኣተኣካኺቦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝወልዕዎ ቅሉዕ ኲናት ስነ-ልቦና ወገናቶም ንምሕዋይን ዝተፀገሙ ወገናት ንምሕጋዝን ይሰርሑ ከም ዘለዉ ተዛሪቦም።

ተሳተፍቲ ወገናት ብግደኦም ትካል ኣሊፍ ይገብሮ ዘሎ ኣብ ምሕዋይ ስነ ልቦና ኮነ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ዓርሰ ምትሕግጋዛት ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ተላብዮም።

ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢምዎ ዘሎ ዓፀባ ንምምካት ድማ ሃይማኖት ከይፈለየ ነንባዕሉ ክተሓጋገዝ ይግባእ ኢሎም።

ፀሓፊ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ ብወገኖም ትካል ኣሊፍ ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ንምዕባይን ንዝተፀገሙ ወገናት ንምሕጋዝ ዝገብሮ ዘሎ ምንቕስቃስ ዝነኣድ እዩ ተጠናኺሩ ክቕፅል ድማ ፀዊዖም።

ብመርሃዊ ተስፋይ

Previous articleህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ
Next articleብሽርሒ ዘይብዳህ ቃልሲ