Home ዜና “ሕዚ እውን ሓድነትና ዝያዳ ኣስጢምና ንዝበለፀ ቃልሲ ንረባረብ!” ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን...

“ሕዚ እውን ሓድነትና ዝያዳ ኣስጢምና ንዝበለፀ ቃልሲ ንረባረብ!” ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

1666
0

ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ሰላም ይረጋገፅ፣ ሕገ መንግስቲ ይከበር፣ መሰል ዓርሰ ውሳነይ ኣሕሊፈ ኣይህብን ስለዝበለ ጥራሕ ኣብ ልዕሊኡ ታሪክ ይቕረ ክብሎ ዘይግባእ ክሕደት፣ ግፍዕን በደልን እናተፈፀመሉ መፂኡን ኣሎን። እዞም ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፅ መሬት ንምጥፋእ ዓሊሞም ኩሉ ዓይነት ምድላዋት ገይሮም ቅሉዕ ወታደራዊ ወራር እናካየዱ ዝመፅኡ ሓይልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ዘይፈፀሙዎ ዓይነት ገበን የለን።

ይኹን እምበር እዚ ካብ ቅኑዕ፣ ህዝባውን ፍትሓውን ዕላማን ሓፂናዊ ሓድነትን ወፃኢ እዚ እዩ ዝብሃል ወታደራዊ ዓቕሚ ዘይነብሮ ህዝቢ ትግራይ ልፍንታውያን ሓይልታት ዘሰለፉዎ በዝሒ ሓይሊ ሰብን ወታደራዊ ጋዕገልጠምን ከየሰኮኖ ንስለ ህላዌኡ ክብል ሓደ ከም ብዙሓት፣ ብዙሓት ከዓ ከም ሓደ ኮይኑ ብዝገርም ፅንዓትን ጅግንነትን እናመከተ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ሰፍ ዘይብል ክሳራ እናሸከሞም መፂኡ እዩ። መሊኦም ከጥፍኡዎ ቆሪፆም ዝተልዓሉ ሓይልታት ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ማእለያ ዘይብሉ ዕንወትን ብርሰትን እንተብፅሑ እኳ ሳላ ጠንኪሩ ዝተቓለሰን ፀኒዑ ብትረት ዝመከተን ግን ሕልሚ እዞም ሓይልታት ብዝደለይዎ ብርኪ ከይፍፀም ገይሩ እዩ።

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ቅድሚ ኩናት ኮነ ኣብ እዋን ኩናት ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብሰላማዊ መንገዲ ብዘተን ድርድርን ንክፍትሑ ተደጋጋሚ ፃውዒት ዋላ እንተገበሩ በቲ ካልእ ወገን ኣወንታዊ መልሲ ከይረኸቡ ብምምፅኦም ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ ከቢድ ኩናት ክፀንሑ ተገዲዶም እዮም። ድሕሪ ሓያል መኸተናን ድፍኢት ማሕበረሰብ ዓለምን ግን መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ናብ መስርሕ ዘተ ሰላምን ድርድርን ብምምፃእ ስምምዕ ደው ምባል ተፃብኦ ከምዝተፈራረምና ዝፍለጥ እዩ። ነዚ ስምምዕ ስዒቡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብፍላጥ ይኹን በዘይፍላጥ ዝተዛብዑ ኣጀንዳታት እናፈጠሩ ንህዝብና ከደናግሩን ሓድነቱ ክዘርጉን ይንቀሳቐሱ ኣለዉ።

ማእኸል እዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተበፅሐ ስምምዕ ተፃብኦ ደው ምባልን ሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናብ ንቡር ምምላስን እንትኾን መንግስቲ ትግራይ ንረብሓ ህዝቡ ዝጎድእ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ከምዘይገብርን ስጉምቲ ከምዘይወስድን ብሙሉእ ልቢ ክስመረሉ ዘለዎ እዩ። ካብ ብጉሓቱ እውን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍትሑ ደጋጊምና እናሓተትና ግን ድማ በቲ ካልእ ወገን ንሕቶታትና ኣወንታዊ መልሲ ክንረክብ ስለዘይክኣልናን ንህልውናና ክንብል ተገዲድና ዝኣተናዮን እምበር ኩናት ቀዳማይ ሕርያና ከምዘይነበረ ዝፍለጥ እዩ። እቲ መሰረታዊ ሓቂ ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ሕዚ ናብ እዚ ስምምዕ ምብፃሕና ድልየት ህዝብና ናብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ካብ ምባል ብተወሳኺ ሓደ ከይበለ መንግስቲ ትግራይ ንምኽሳስ ዝቀዳደሙ ኣካላት ንዕዘብ ኣለና። ስለዝኾነ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝብና በዚ ኣዝዩ ህፁፅን ምስትውዓል ዝጎደሊን መደምደምታ ክደናገርን ብእንገብሮ ዘለና ሰላማዊ ድርድር ስግኣት ክሓድሮን ኣይግባእን። ምኽንያቱ መንግስቲ ትግራይ ናብዚ ዘተ ሰላም ክኣቱ ዝኽኣለ መሰረታዊ ድልየት ህዝቡ ካብ ምምላእ ወፃኢ ካልእ መበገስን መብፅሕን ስለዘይብሉ።

ስለዝኾነ ኣብ ውሽጢ ትግራይን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ዝርከብ ዲያስፖራ ትግራይን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘርኣናዮ ፅንዓትን ሓድነትን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣሐይልና ክንቕፅልን ህልውና ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ውሑስ ክሳብ ዝኸውን ኣብዚ እንኣትዎ ዘለና ፈታኒ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ብዓወት መሰስ ንክንብል ብዝበለፀ ቃልስና ክነጠናኽርን ይግባእ። ሕዚ እውን ዘተኣማምን ዋሕስ ህልውናና ፍትሓዊ ዕላማና፣ መትከላዊ ፅንዓትናን ሓድነትናን ስለዝኾኑ ዕላማና ክሳብ ዝዕወት ሎሚ እውን ከም ትማሊ ሓድንነትና ኣጠናኺርና፣ ዓቕምታትና ወዲብና ክሳብ ዝተቓለስና ዓወት ህዝቢ ትግራይ ዘይተርፍ እዩ።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!

ትግራይ ትስዕር!!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

03 ሕዳር 2015ዓ.ም

መቐለ

Previous articleዕለታዊ ናብራይ ንምምላእ ኣብ ፅርግያ ኣስቤዛ ዘርጊሐ  ዝዝሓልፍ ሰብ ዶ’ኾን ይገዝአኒ ብተስፋ እየ ዝመውት
Next articleሰነድ ስምምዕነት ዘተ ብዝምልከት መግለፂ ቅዋም ህወሓት