Home ዜና ሕፅረት ዘበናዊ ዱኽዒ ዝፈትሕ ምህዞ ኮምፖስት 21

ሕፅረት ዘበናዊ ዱኽዒ ዝፈትሕ ምህዞ ኮምፖስት 21

422
0

ምህዞ ተፈጥራዊ(ኦርጋኒክ) ኮምፖስት 21 ኣብ ዉፅኢታዉነቱ ግንዛበ ንምፍጣር ብምዕላም ንነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ትካላትን ዉልቀ ሰባትን ዘሳተፈ ዑደት ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ።ንሓረስታይ ዝቐርብ ዝነበረ ዘመናዊ ድኽዒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ስዒቡ ንዝፍጠር ሕፅረት መፍትሒ ንምንዳይን ትግራይ ማእኸል ፍርያት ተፈጥራዊ ምህርቲ ንምግባርን ተመራመርቲ ትግራይ ዝተፈላለዩ ምርምራት ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

ቶፕ ዝተብሃለ ትካል መቕረባይ ተፈጥራዊ ድኹዕን ፀረ ባልዕን ድማ ኣብዚ መዳይ ምህዞ ተመራመርቲ ዉፅኢታዉነቶም ብዝምልከቶ ኣካል ክረጋገፁ ብምግባር ናብ ሓረስታይ ንክተኣታተዉ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ። ኣብ ኢድ እቲ ትካል 7 ምህዞታት ከምዘለዉ ካብዚኦም እቶም 3 ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝተመዝገቡ ምዃኖም ዝገለፁ ኣካየዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ኣብርሃም ታደሰ ነሳቶም ድማ ኣብ 21 ማዓልቲ ኮምፖስት ክዳሎ ምግባር ዘኽእል ምህዞ፣ ካልኣይ ተፈጥራዊ ፈሳሲ ድኹዒ ሳልሳይ ድማ ተፈጥራዊ ፀረ ባልዕን ፀረ-ሕማምን ዝራእቲ ምኻኖም ኣረዲኦም።

እቲ ትካል ኣብ ሓረስታይ ክተኣታቶ ናብ ተግባራዊ ስራሕ ካብ ዘእተዮ ምህዞ ሓደ ኮምፖስት 21 ዝተብሃለ ተፈጥራዊ(ኦርጋኒክ) ድኹዒ ኣብ ዉሽጢ 21 መዓልቲ ንምድላዉ ዘኽእል ምህዞ ኮይኑ ዉፅኢታዉነት እዚ ምህዞ ንምርኣይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፉ ትካላትን ዉልቀ ሰባትን ዝተሳተፍሉ ዑደት ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ።

እዚ ምህዞ እዚ ሓረስታይ ኮምፖስት ንምድላዉ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ 6 ወርሒ ዝወስድ ዝነበረ ሐጋዚ ተፈጥራዊ ኬሚካል ተጠቒሙ ኣብ 21 ማዓልትታት ሓረስታይ ተፈጥራዊ ኮምፖስት ኣዳልዩ መፍረያይነቱ ከዕቢ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ምሁር ባዮ ኬሚስትሪ ተማራማራይ ገብረየሱስ በየነ ገሊፁ።እቲ ትካል ተፃብኦ ዘይብሎም ተፈጥራዊ (ኦርጋኒክ) ፍርያት ንክፈርዩ መሰረት ገይሩ ምንቅስቓስ ይገብር ከምዘሎ ዝገለፁ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ኣብርሃም ታደሰ ድማ ካብ ሓፂር እዋን ዕላማታት እቲ ትካል ምህዞታት ተቐቢሮም ከይተርፉ ወፂኦም ናብ ረብሓ ህዝቢ ክቕየሩ ምግባር፣ ብሰንኪ ክባን ዕፅዋን ዝተፈጠረ ዝለዓለ ሕፅረት ድኹዒ ዘቃልል ስራሕቲ ምስራሕን ሓረስታይ ብዝተመጣጠነ ዋጋ ድኹዒ ንክረክብ ምግባርን ዝብል ምዃኑ ኣረዲኦም።

እቲ ትካል ኣዳልይዎ ዘሎ ኬሚካል ሓረስታይ ብቐሊሉ ክረኽቦም ዝኽእል ተረፈ ምህርትታትን ተጋሒፎም ዝድብረዩ ዝነበሩ ነገራትን ኣብ ዉሽጢ 21 መዓልትታት ናብ ኮምፖስት ቐይሩ ክጥቀም ዝገብር ምዃኑ ኣይተ ኣብርሃም እንትገልፁ ነቲ ምህዞ ብምጥቃሞም ኣብ መፍረያይነት ከተማ ሕርሽኦም ዉፅኢታዊ ለዉጢ ከምዝረኸቡ ድማ ነባሪ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ኩሓ ሓረስታይ ሃይለኪሮስ ግርማይ ተዛሪም።

ኮንፖስት ሓረስታይ ብቐሊሉ ክረኽቦም ዝኽእል ከም ፃህያይ፣ ሓሰር፣ ቃንጫ፣ ሳዕሪ፣ ሓሞኽሽቲ፣ ናይ እንስሳት ድኹዒን ካልኦትን ብምጥቃም ምድላዉ ከምዝከኣል ኣብቲ ዑደት ብተግባር ንምርኣይ ዝተፈተነ እንትኾን ነዚ ምጥቃም ኣብ ዝጀመረ ኣብ ከባቢ ኣሪድ ኣይናለም ዝርከብ ትካል መፍረይ ወይኒን ፍራምረን ዉፅኢት ኮምፖስት 21 ዝኾነ ተግባራዊ ስራሕቲ ተራእዩ እዩ።

እቲ ትካል ኣብ ናይ ነዉሕ ዓላምኡ ትግራይ ማእኸል ፍርያት ተፈጥራዊ(ኦርጋኒክ) ሕርሻ ክትኾን ምግባር እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣብርሃም ካብዚ ሓሊፉ ተፈጥራዊ (ኦርጋኒክ) ድኹዕን ፀረ ባልዕ ሰደድ እትገብር ትግራይ ብምፍጣር ሸርፊ ወፃኢ ክትረክብ ምግባር እዉን እዩ ኢሎም። ቶፕ ካብዚ ብተወሳኺ ብተማራማራይ ገብረየሱስ በየነ ዝተምሃዘ ሕማም ተኽሊ በለስ ዝፍውስ ኬሚካል ብምድላዉ ንፈተነ ኣቕሪቡ እቲ ፈተነ ድማ ክሳዕ ሐዚ ብዘሎ ኩነታት ዕውት ምዃኑን ብለበዳ ሓሰኻ ኩችኔል ወይ እዉን ተኽሊ በለስ ዘጥቅዕ ሓሰኻ ዝሓመመ ተኽሊ በለስ ከምዘሐዊ ብተግባር ይረአ ከምዘሎ እዉን ተገሊፁ።

#ሃይለሚካኤል ገሰሰ

Previous articleጉዳይ ውራ መሬት ከተማ መቐለ
Next articleህፃናት ትግራይ ትምህርቲ ዝረኽብሉ ዕድል ንምፍጣር ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ክረባረብ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ቆላ ተምቤን ፀዊዑ።