Home ዜና መሊኡ ዝፈሰሰ ግፍዒ“ልዕሊ 40 ንፁሃት ቐቲለ ልዕሊ 30 በይነይ ዓሚፀ” ሙሩኽ ሻዕብያ

መሊኡ ዝፈሰሰ ግፍዒ“ልዕሊ 40 ንፁሃት ቐቲለ ልዕሊ 30 በይነይ ዓሚፀ” ሙሩኽ ሻዕብያ

1236
0

ገብሩ ኣልኣዛርን ሰመረ ገ/ህይወትን ኣባላት ዕሱባት ሰራዊት ዉልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዮም፡፡ እዞም ዑሱባት ኣብ 2013 ዓ/ም ምስ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ተላፊኖም ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ፈፂሞም እዮም፡፡ በዙይ ከይኣክል ግን እቲ ዝፈፀምዎን ይፍፅምዎ ዘለዉን ጀኖሳይድ ኣጠናኺሮም ንምቕፃል እንትሓስቡ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ጀግና ሰራዊት ትግራይ ዊዕሎም ተማሪኾም እዮም፡፡

ገብሩ ኣልኣዛር ኣብ 2013 ዓ.ም ሰላሊ ኮይኑ ምስ ኣባላቱ ናብ ትግራይ ኣብ ዝኣተወሉ ግዘ ካብ ሸራሮ ጀሚሩ ክሳብ ሽረ እንዳስላሴ ማእለያ ዘይብሎም ሰላማዉያን ሰባት ከም ዝቐተለን ካብ ምብዝሖም ዝተበገሰ ንምቑፃሩ ከም ዝሽገር እዉን ይዛረብ፡፡እዚ ዕሱብ በዙይ ኣየብቀዐን ኣብ ሽረ እንዳ ሰላሰ ኮይኑ እንትሰርሕ እዉን ኣብ ቤት ህንፀት ሽረ ብፋሽስታዉያንን ወረርትን ሓይልታት ኣብ ዘይውዓልዎ ገበን ተኣሲሮም ዝነበሩ 10 ንፁሃን ሰባት ከም ዝረሸነ ይዛረብ ፡፡


ዕሱብ ኣባል ሰራዊት ዉልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክሳብ ማዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ ዘሊቑ ነቶም ባርነትን ዘይዛሪ ድኽነትን ኮርኪሕዎም ስርዓት ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ራሕሪሖም ኣብ ትግራይ ተዓቒቦም ዝነበሩ ኣሕዋቱ እዉን ዕፃ ትግራይን ደቂ ትግራይን ንክበፅሖም ዝሞቱ ሞይቶም ዝተረፉ ድማ ፋሕ ፋሕ ክብሉ ጌረዮም እየ ኢሉ፡፡


ብተመሳሳሊ ሰመረ ገ/ህይወት እዉን ካብ ሸራሮ ጀሚሩ ዓድዋ፣ ራማ፣ ዓድግራትን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ዝረገፀሉ እዋን ህፃናት ዝርከብዎም ልዕሊ 40 ወገናት ዋላ ሓንቲ ኣበርን በሰርን ዘይብሎም ንፁሃት ከም ዝረሸነ ይዛረብ፡፡ብተወሳኺ እዉን ይብል ሰመረ ኣብተን ዝኣተኽወን ከተማታትን ገጠራትን ልዕሊ 30 ኣዴታትን ህፃናትን በይኑ ከም ዝዓመፀን ሕንኽ ከይበለ ገሊፁ እዩ፡፡


ገብሩ ኣልኣዛርን ሰመረ ገ/ህይወትን ካብ ክሳድ ኣዴታት ወርቅን ክሳብ የድሊ እዩ ዝበልዎ ንብረትን ደቂ ትግራይ ከም ዝወረሩን ነዙይ ድማ ከም ሰራሕቲ ጀግንነት ከይሓፈሩ ተዛሪቦም እዮም፡፡
እዞም ክልተ ዕሱባት እዚኣቶም በቲ መሕሰቢ ዝተሳኣኖ ሽክና ርእሶም ዝዘከርዎ ግፍዒ ጥራሕ እዮም እምበር ምስ ከምኦም ዝበሉ ኣረመኔታት ኮይኖም ዝፈፀምዎ ጨፍጫፍን መስካሕክሒ ግፍዕታትን ካብቲ ዝገለፅዎ ብላዕሊ ከም ዝኾነ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡

Previous articleገዝኡ ከየፅረየ ገዛ ጎረቤት ዝኹስትር መራሒ
Next articleግደ ሚዲያታት ንብራኸ ትግራይ