Home ዜና መልሲ ዘይረኸበ ስቓይ ጡረተኛታት ትግራይ

መልሲ ዘይረኸበ ስቓይ ጡረተኛታት ትግራይ

1017
0

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ጡረተኛታት መሰል ምርካብ ዓስቦም ንኣስታት ክልተ ዓመታት ተኸልኪሎም ብምህላዎም ዓርሶምን ስድርኦምን ንተደራረብቲ ፀገማት ተቓሊዖም ከምዘለዉ ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ጡረተኛታት ስእነት መድሓኒት ተሓዊስዎ ንዝኸፍአ ፀገም ተሳጢሖም ከምዘለዉ መንግስቲ ፌደራል ተገንዚቡ ብህፁፅ መሰሎም ከኽብረሎም ፀዊዖም፡፡

ኣይተ ተንሳይ መሓሪ ወዲ 63 ዓመት እንትኾኑ ካብኦም ዝፅበ ግቡኦም ፈፂሞም ቅድሚ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት መሰል ጡረትኦም ኣኽቢሮም ካብ መንግስቲ ስራሕ ተሰናቢቶም፡፡ ኣይተ ተንሳይ መራሒ  ሸሞንተ  ስድራ እንትኾኑ ኣብ እዋን ንእስነቶም ላዕልን ታሕትን እናበሉ ዘገልገልዋ ዓዲ ግና ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 20 ኣዋርሕ መሰል ምርካብ ጡረትኦም ካብ ምኽልካል ሓሊፋ ኣብ ውልቀ ሒሳቦም ዝነበረ ገንዘብ ባዕሎም ዝዓቖርዎ ኮነ ብመልክዕ ሓገዝ ካብ ቤተሰብ ዝረኸብዎ ብር ስለዝተኣገደ ዓርሶምን ቤተሰቦምን ንዝተሓላለኸ ፀገም ክሳጥሑ ገይርዎም፡፡

እቶም ጡረተኛ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ሕዱር ሕማም ሽኮርያ ስለዘለዎም ኩነታቶም ክከታተሉን መድሓኒት እንተረኸቡ ኢሎም ክሓቱ ረኺብናዮም ፡፡ኣብ ልዕሊ ጡረተኛታትን ስድርኦምን ብመንግስቲ ፌደራል ተፈፂሙ ዘሎ በደል መግለፂ ስኢኖምሉ፡፡

ኣይተ ካሕሳይ ኣረጋዊ እውን ነባሪ ከተማ መቐለ እንትኾኑ ን37 ዓመታት ንህዝብን መንግስትን ዘገልገሉ ካብ ጥሮታ ይረኽብዎ ብዝነበሩ ሸውዓተ ቤተሰብ ዘመሓድሩ ብሕማም ሽኮርያ ዝተጠቕዑን እዮም፡፡ ኣይተ ካሕሳይን ካልኦት ጡረተኛታትን ኣብ ውልቀ ሒሳቦም ዝነበረ ገንዘቦምን ጡረተኦምን ብምእጋድ ዓርሶም ኣብ ሓደጋ ክወድቁን ቤተሰብ ክብተንን ንምንታይ ከምዝተገበረ ምኽንያት ኣይረኸብሉን፡፡

እዞም ሕዱር ሕማም ዘለዎም መራሕቲ ስድራ መሰል ጡረትኦም ኣብ ልዕሊ ምእጋዱ  መድሓኒት ስኢኖም ኣካሎም ክጎድሉ ገይርዎም ምህላዉን መሓዙቶም እውን ይሞቱ ከምዘለዉ ገሊፆም፡፡

ንምንታይ ጡረታናን ሒሳብናን ከምዝተኣገደ ዛጊድ ኣይፍለጥን ዝበሉ እቶም ወገናት ሕዚ እውን መንግስቲ ፌደራል ኣብ ኣፍ ሞት በፂሖም ዘለዉ ጡረተኛታት ህፁፅ ምላሽ ክህቦም ሓቲቶም፡፡

ኣብ ልዕሊ ጡረተኛታት ተፈፂሙ ዘሎ ግፍዒ ከቢድ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ማሕበር ጡረተኛታት መቐለ ኣይተ ክፍለማርያም ይርጋው ሕዚ እውን ነዞም ሰብ ውዕለታ ዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ ብመንግስቲ ህፁፅ ፍታሕ ክወሃቦም ይግባእ ኢሎም፡፡

ንተደራረብቲ ስቓያት ተሳጢሖም ዘለዉ ጡረተኛታት ትግራይ ካብ ስምምዕነት ሰላም ተረባሕቲ ክኾኑ ካብ ተስፋ ምሃብ ሓሊፉ ብዝምልከቶም ትካላት ፌደራል ህፁፅ ፍታሕ ክግበረሎም ኣይተ ክፍለማርያም ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብገ/መስቀል ኪሮስ

Previous articleሰራዊት ኤርትራ ሕዚ እውን ካብ ትግራይ ከምዘይወፀን ግፍዕታት ይፍፅም ከምዘሎን ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ፡፡
Next articleምረቓ መዝሙር ቋንቋ ትግርኛ