Home ዜና መልእኽቲ ፕረዝዳንት መንግስቲ ትግራይ ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል(ዶ/ር)

መልእኽቲ ፕረዝዳንት መንግስቲ ትግራይ ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል(ዶ/ር)

1674
0

ብከበድቲ መድረኻት ክንፍተን እኳ እንተተገደድና ከም ወርቂ ብሓዊ ተፈቲና፣ ታሪኽ ሰራሒነትናን ጅግንነትናን ዳግም ፀብለል ኢሉ ይኹላዕ ኣሎ!

ርግፅ’ዩ እዚ እዋን’ዚ ብማእለያ ዘይብሎም ከበድቲ ብድሆታት እናተፈተንና፣ ከም ህዝቢ ቀፃልነትና ንምርግጋፅ ተገዲድና ኣብ ሓያል ተጋድሎ ከምዘለና ይፍለጥ። እንተኾነ በዞም ስፍሪ ቁፅር ዘይብሎም ከበድቲ ብድሆታት ተፈቲንና ፈተኽ ክንብል ኣይከኣልናን፣ የግዳስ ንኹሎም ከበድቲ መድረኻት ብተኣምራታዊ ተፃዋርነትን ጅግንነትን እናሰገርና፣ ከም ህዝቢ ታሪኽ ሰራሒነትናን ጅግንነትናን ዳግም ፀብለል ይብል ኣሎ።ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነት ኮይንና ኢና እምበር፣ ለብዘበን በዓል መስቀል ንዝክር ዘለና። በዚ ኣጋጣሚ ትእምርተ ፅንዓትን ጅግንነትን ዝኾንካ ወረጃ ህዝብና፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ ዓለም እትነብሩ ኣምባሳደራት ትግራይ፣ ንእሙን ዋሕስ ህላወን ድሕነትን ዝኾነ ፅኑዕን ህዝባዊን ሰራዊትናን፣ ንደገፍቲ መኸተናን እንኳዕ ንበዓል መስቀል ኣብፅሓኩም! ኣብፅሐና! ክብል ይደሊ። ሎሚ እውን ከም ወትሩ ናይ ‘ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ባህልና ብምሕያል፣ ሕድሕድና ተደጋጊፍናን ተሓላሊናን እዚ እዋን’ዚ ክንሰግሮ ከዘኻኽር ይደሊ።ኣብ መወዳእታ ህዝባዊ መኸተና ብዓወት ዛዚምና፣ ባህጊ ትግራይን ህዝባን ብዘተኣማምን ኣገባብ ክውን ንምግባር ሎሚ እውን ከም ወትሩ፣ ከም ህዝቢ ኣብ ፍትሓዊን ሕጋዊን መኸተና ሰሚርና ኩለንተናዊ ቃልስና ክነሐይል የተሓሳስብ።ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!ትግራይ ብቃልስን መኸተን ደቃ እናተኾለዐት ክትነብር’ያ!!ትግራይ ትስዕር!!

Previous articleጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ደብዳብ ድሮን ኣብ ልዕሊ ተሽከርካሪት ትካል ምግቢ ዓለም(WFP) ኣካይዱ
Next articleብክልል ዓፋር ብበራሕለ ዝመፀ 5 ክፍላተ ሰራዊት ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተደምሲሱ።