Home ዜና መተኣኻኸቢ እቶት መኸተ ትግራይ 

መተኣኻኸቢ እቶት መኸተ ትግራይ 

965
0

3 ዙር መኸተ ዳያስፖራ ትግራይ ተጠናኺሩ ይቅፅል ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡

ዛጊድ ልዕሊ 57 ሽሕ ዶላር ከምዝተኣኻኸበ ድማ ዓለም ለኸ መተኣኻኸቢ እቶት መኸተ ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ብምትሕብባር ማሕበር ልምዓት #ትግራይ #ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ወርሒ ሰነ 5 ጀሚሩ ክሳብ ሓምለ 1/2022 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ብመኸተ ዳያስፖራ ትግራይ ክተኣኻኸብ ካብ ዝተተለመ ሓደ ሚልዮን ዶላር ዛጊድ 57 ሽሕ ዶላር ከምዝተኣኻኸበን ኩሉ ኣብ ወፃኢ ዝርከብ ተወላዲ ትግራይን ፈታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን እዚ ሸቶ ክወቅዕ ክረባረብ ይግባእ ክብሉ ዓለም ለኸ መተኣኻኸቢ እቶት መኸተ ትግራይ  ፀዊዖም፡፡ ነቲ ትልሚ ንምዕዋት ድማ 3 ዙር መኸተ ዳያስፖራ ትግራይ ተጠናኺሩ ይቅፅል ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡

ብኻልእ ወገን ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ ጀኖሳይድ  ዛጊድ ንልዕሊ ሽዱሽተ ሚእቲ መዓልቲ ህዝቢ ትግራይ ኩለ መዳይ ዕፅዋ ተነቢርሉ ከምዘሎን እዚ ዕፅዋ ከብቅዕ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ዝጀመሮ ፀቅጢ ከበርኽ ይግባእ ኢሎም፡፡ 

ብፍላይ ድማ ብስታንድ ዊዝ ትግራይ ተጀሚሩ ዘሎ ብኤሌክትሮኒክስ ዝተሓገዘ  ቅጥዒ  ኤችኣር 6600ን ኤስ 3199 መንግስቲ #ኣሜሪካ ከፅድቆ ዝሓትት ቅጥዒ ብምምላእ ኣብ ሕድሕድ ግዝኣታት ንዘለዉ ተወከልቲ ኣሜሪካ /ሰኔት/ ክበፅሖም ብምግባር ቃልሶም ከጠናኽሩ  ፀዊዑ፡፡

ብወያንተ ብዙነህ

Previous articleወጥሪ ኢትዮጵያን ሱዳንን
Next article“ሰራዊትን መራሕትን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ካብ ተሓታትነት ኣየምልጡን” ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ