Home ዜና ”መንግስቲ ትግራይ ምስ ልኡኻት ኣሜርካን ሕብረት  ኣውሮፓን ዘሳለጦ ዘተ ውፅኢታዊ እዩ”

”መንግስቲ ትግራይ ምስ ልኡኻት ኣሜርካን ሕብረት  ኣውሮፓን ዘሳለጦ ዘተ ውፅኢታዊ እዩ”

807
0

ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ልኡኻት ኣውሮፓን ኣሜርካን ምስ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘሳለጥዎ ዘተ ሰብኣዊ ሓገዝ  ብዘይዝኾነ ይኹን ዓንቀፍቀፍ ክኣቱን መሰረታዊ ኣገልግሎት ክኽፈቱን ፀቅጢ ንምግባር ዘኽእል ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝተገበረ ወሃቢ ቃል ሴንተራል ኮማንድ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም᎓᎓

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር፣ ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣኒታ ወይበር፣ ተወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያን ዝተፋላለዩ ኣምባሳደራትን ሓዊሱ ምስ መንግስቲ ትግራይ ውፅኢታዊ ዘተ ዘሳለጡ እንትኾኑ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ጉዳይ ዘተ ሰላም፣ ምእታው ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ኩነታት ዞባ ምዕራብ ትግራይን ካልኦት ዛዕባታትን ኣመልኪቱ መርገፂኡ ነቶም ልኡኻት ዘረደአ እንትኸውን ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ በዝፈፀሞ ምትዕንቓፍ ኣብ ሓደ ወርሒ ክኣቱ ዝግበኦ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዓሰርተ ወርሒ ከምዝኣተወን ብቐፃልነት ብዘይዓንቀፍቀፍ ናብ ህዝቢ ክባፃሕ ምርድዳእ ከም ዝተገብረ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቦም᎓᎓

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዕፅዋን ክባን ተነቢርዎ ዝኸፍአ ናብራ እናሕለፈ ከም ዝርከብ ዝገለፁ ኣይተ ጌታቸው ኣብ ጉዳይ መሰረታዊ ኣገልግሎት ስልኪ፣ መብራህቲ፣ ባንክን መንገድን ክኽፈቱ እቶም ልኡኻት ቃል ከምዝኣተዉን ንተግባራውነቱ ድማ ከምዝሰርሑ ገሊፆም ᎓᎓

መንግስቲ ትግራይ ንሰላም ዘለዎ ቅሩብነት በብእዋኑ እናገለፀ ከምዝፀንሐን ኣብ ምርግጋፅ  ሰላምን ረብሓ ህዝቢ ትግራይን ዘለዎ መርገፂ ግልፂ ዝኾነ ዘተ ከምዘካየደ ድማ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓቢሮም ᎓᎓

ብሃፍታይ ባህረ

Previous articleብዕፅዋ ነዳዲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ
Next articleየአምባገነኑ ኢሳያስ ቡድን የአሜሪካ የህዝብ ተወካዮች ም/ቤት አፈ ጉባኤ ናንሲ ፔሎሲ የታይዋንን  ጉብኝት ተቃወመ።