Home ዜና መንግስቲ ትግራይ ን4,208 ሙሩኻት ምሕረት ገይሩ።

መንግስቲ ትግራይ ን4,208 ሙሩኻት ምሕረት ገይሩ።

803
0

ፈትዩ ዘይኮነ ተገዲዱ ናብ ኲናት ዝኣተወ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ምእንተ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኢሉ ኣንፃሩ ንዝተልዓሉ ሓይልታት ከከም ኣመፃፅኦኦም መኪቱ ጎና ጎኒ ዘመዝግቦም ዘሎ ዓወታት ንሰላም ዘለዎ ቕሩቡነት ብተግባር ኣረጋጊፁ እዩ፡፡ ናይዚ ሓደ ኣብነት ድማ ሰራዊት ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ኮይኖም እንትቃለሱ ኣብ ኢድ ሰራዊት ትግራይ ዝኣተዉ ሙሩኻት ምሕረት ብምግባር ሰንዩ እዩ፡፡ሐዚ ድማ ናይዚ መቀፀልታ 4 ሽሕን 2 ሚኢትን ሸሞንተን ሙሩኻት መንግስቲ ትግራይ ምሕረት ገይርሎም ኣሎ፡፡

እቶም ምሕረት ዝተገበረሎም ሙሩኻት ኣብ ፃንሒቶም ብ ህዝብን መንግስትንት ትግራይ ንዝተገበረሎም ምትሕብባር ልዑል ምስጋና ዘቅረቡ ኮይኖም ህዝቢ ትግራይ ንዓርሱ ኣብ ዕፅዋን ክባን ኮይኑ ግን ድማ ካብታ ዘላቶ ንዓና ዝገብሮ ሓገዝ ሰብኣውነቱ ዘመስከረ እዩ ኢሎም፡፡ሰብኣውነት ህዝቢ ትግራይ ህያው ኮይኑ ዝነብር እዩ ዝበሉ እቶም ምሕረት ዝተገበረሎም ሙሩኻት ኣብዚ ሕዚ እዋን እዛ ሃገር ሰላም እምበር ኲናት ኣይኮነን ዝድልያ ድሕሪ ምባል ብቐፃሊ ኣምባሳደር ሰላም ኮይኖም ከም ዝሰርሑ ኣረጋጊፆም፡፡ እቶም ምሕረት ዝተገበረሎም 4208 ሙሩኻት 12 ግንበት 2014 ዓ/ም ክስነዩ እዩም፡፡

ክብሮም ተስፋይ

Previous articleኢትዮጵያ ብምምዝባል ውሽጢ ዓዲ ቕድሚት ተሰሪዓ፡፡
Next articleውሳነ መንግስቲ ትግራይ ብራኻ ሰብኣውነት ህዝቢ ትግራይ ዘረጋገፀ እዩ ኢሎም መረሕቲ ሃይማኖት ትግራይ