Home ዜና መንግስቲ ትግራይ ጊዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል /Cessation of Hostilities/ ወሲኑ።

መንግስቲ ትግራይ ጊዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል /Cessation of Hostilities/ ወሲኑ።

1236
0

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ካብ ቀደሙ ኣብሰላም ዘለዎ መርገፂ ግልፂ እዩ። ፖለቲካዊ ፀገማት ብሰላም ክፍትሑ ከምዘለዉ እውን ካብ ጒሓቱ ብዘየላጢ ኣግባብ ንፈታዊን ፀላኢን ዕላዊ ገይሮም እዮም። ምኽንያቱ ሰላም ናይ ህልውና ጉዳይ ገይሮም ይኣምኑሉ ጥራሕ እንተይኮነስ ተግባራዊ ንክኸውን እውን በብእዋኑ ኩሉ ዓይነት ፃዕሪ ገይሮም እዮም።
ብሓፂሩ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ገጢሙና ዘሎ ኩነታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ኩሉ ጊዜ ቁሩባትን ድሉዋትን ምዃኖም፥ ኣፍቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኩሎም መዳረግቲ ኣካላት ክፈልጡዎ ብተደጋጋሚ ክገልፁ ፀኒሖም እዮም። ቅድሚ 17 ኣዋርሕ ከይፈተና ተገዲድና ህልውናና ንምርግጋፅ ናብ ኲናት ዝኣተና ኩሎም መማረፂታት ሰላም ብምዕፃው፥ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ገፅ መሬት ንምጥፋእ ኣብ ልዕሊኡ ቅሉዕ ወታደራዊ ወራር ተኻይዱ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ስለዝተወሰደ እዩ።
ብሓፈሻ ትማሊ ይኹን ሎሚ ፈላማይ ኣማራፂና ሰላም እምበር ኲናት ኣይነበረን። ሎሚ’ውን ኣይኮነን። ስለዚ ኣብዚ እዋንዚ ብምኽንያት ኲናት ዝተፀገመ ህዝብና ንምሕጋዝ ብዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዝተልኣኸሉ ድጋፍ ብዘይዓንቀፍቀፍ ክበፅሖ ዝግባእኳ እንተነበረ፥ ብምኽንያት ክባን ዕፅዋን ዝኣተወ ሓገዝ የለን። ሕዚ ግን ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝድለ ዓይነት፥ መጠንን ጊዜን ንህዝብና ክበፅሕ ዘኽእል ኩነታት እንተድኣ ተመዓራሪዩ ካብ ሎሚ ጀሚርና ጊዝያዊ ተፃብኦ ደው ንምባል መንግስቲ ትግራይ ወሲኑ ኣሎ። ንተግባራዊነቱ ኣድላይ ዘበለ ኩሉ ከምዝገብር መንግስቲ ትግራይ ንህዝቢ ትግራይን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ብኽብሪ ይገልፅ።
ትግራይ ትስዕር!
መንግስቲ ትግራይ
መጋቢት 15፥ 2014 ዓ/ም
መቐለ

Previous article“ብእከይ ተግባራት ፋሽስታውያን ከይተሰኮና ህዝባዊ ቃልስና ክነሕይል ይግባእ፡፡” ግዝያዊ ከንቲባ ከተማ መቐለ ዶ/ር ገ/መድህን ኪሮስ
Next articleኣብ ከተማ ዓዲ ጉዶም ልዕሊ 12 ሽሕ ወገናት ኣብ ኣፍ ሞት ይርከቡ