Home ዜና መዓርግ ፕሮፌሰርነት ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

መዓርግ ፕሮፌሰርነት ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

1031
0

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር #ቴድሮስ ኣድሓኖም ብብሄራዊ ሜዲካል ዩኒቨርሲቲ ካዛኪስታን መዓርግ ፕሮፌሰርነት ተዋሂብዎም፡፡ እቲ ሽልማት ፍትሓዊ  ግልጋሎት ጥዕና ናብ ሙሉእ ዓለም ንክስፋሕፋሕ ብዝገበርዎ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ ፡፡

ፕሮፌሰር ቴድሮስ ኣድሓኖም ድሕሪ እቲ ሽልማት ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ በቲ ዝተውሃቦም መዓርግ ፕሮፌሰርነት ሓጎስ ከምዝተሰምዖም ገሊፆም፡፡

ጥዕና ንኹሉ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ካዛኪስታን ንክስፋሕፋሕ ንሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር  ድማ ንኢዶም፡፡

ፕሮፌሰር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2014 ዓ/ም ንካልኣይ ግዜ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ንክመርሑ ብዝለዓለ ድምፂ ከምዝተመረፁን ብማሕበረሰብ ዓለም ዝያዳ ተቐባልነት ከምዝረኸቡን ይዝከር፡፡ 

ፕሮፌሰር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሃገረይ ካብ ዝብልዋ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ዝገጠሞም እንትኸውን እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ መሪሕነት ዓለም ንውላዳ ዝተቓወመት ፈላመይቲ ሃገር ኢትዮጵያ ከምዝኾነት እውን ሚድያታት ዓለም ፀብፂበን እየን፡፡

ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ

Previous articleበኦሮምያ ክልል በተለያዩ ኣከባቢዎች በኦሮሞ ነፃነት ሰራዊትና በፋሽስቱ የአብይ ቡድን መካከል ጦርነት መቀጠሉን Omn ዘገበ።
Next articleሓበራዊ መግለፂ ማሕበረሰብ ሲቪል (GSTS, TUSA, THRAN, ACSOT) መፃረዪ ኮሚሽን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ