Home ጥዕና መድሓኒት ምግብን ስለዝስኣንኩ ኣብ ጎደና ወፂኣ ክልምን ተገዲደ- በዓል ሞያ ኮንስትራክሽን ኣይተ...

መድሓኒት ምግብን ስለዝስኣንኩ ኣብ ጎደና ወፂኣ ክልምን ተገዲደ- በዓል ሞያ ኮንስትራክሽን ኣይተ የማነ ብስራት፡፡

1145
0

ካብ ሞያ ኮንስትራክሽን ናብ

መድሓኒት ምግብን ስለዝስኣንኩ ኣብ ጎደና ወፂኣ ክልምን ተገዲደ- በዓል ሞያ ኮንስትራክሽን ኣይተ የማነ ብስራት፡፡

ብሰንኪ ፋሽስታውያን ዝፈጠርዎ ክባን ዕፅዋን ዝጥቀም ዝነበረኩ መድሓኒት ሕዱር ሕማማት ስለዝስኣንኩን ዝኸፈአ ዓፀባን መከራን ተሳጢሐ ኣብ ጎደና ይልምን ኣለኹ ክብል ኣብ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ተዋፊሩ ዝሰርሕ ዝነበረ የማነ ብስራት ገሊፁ፡፡ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ማሕበረሰብ ዓለምን ህዝቢ ትግራይ ብጥሜትን ሕማምን ከይሃለቕ ክበፅሕሉ ይግባእ ክብል ድማ ኣይተ የማነ ፀዊዑ፡፡

ልዕሊ 500 መዓልትታት ዘቁፅረ ዝተዋደደን ዝተተለመን ዘርኢ ምፅናት ትግራይ ሐዚ እውን ብዝኸፈአ መልክዑ እናቀፀለ እዩ ፡፡ ምግቢ የለን ፣ መድሓኒት የለን፣ ባንኪ የለን፣ ስልኪ የለን፡፡እቲ አብ 1977 ዓ/ም ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘጋጠመ ዛንታ ድርቂ ሎሚ ኣብ ትግራይ ተከሲቱ ኣሎ፤ ብሰንኪ ሰብ ስራሕ ጥሜት ኣሸሓት ይሞቱ ኣለው፡፡ ኣሸሓት ነፀላ መግነዝ ይፅበዩ ኣለው፤ ቀደም ደርግን ድርቅን ሎሚ ኣሰመራን ሽዋን ታሪክ ባዕሉ ደጊሙ ኣሎ፡፡

ነባሪ ከተማ መቐለ ኣይተ የማነ ብስራት ነታ ካሕዳም ኢትዮጵያ ፍትሕን ማዕርነትን ከረጋግፅ ዝተጋደለን ፣ መንግስቲ ብዘቀመጦ ኣንፈት ምምጥጣን ካብ ምግዳል ተቀኒሱ ኣብ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ተዋፊሩ ይሰርሕ ነይሩ፡፡

ብዝነበርዎ ተደራረብቲ ሕዱር ሕማማት ኤችኣይቪ ኤድስ፣ ሽኮርን ልቢ ድካምን እንከይተሰኮነ ባዕሉን ስድርኡን ይጥውር ዝነበረ የማነ ብስራት ሎሚ ግን ግዘ ምስ ጠለሞ ነብሱ ይጠልሞ ኣሎ፡፡ ሐዚ ካብ ዓራት ብስኑ ተሲኡ ኣብ ጎደናታት መቐለ ኢዱ ዘርጊሑ ምፅዋት ንክቅበል ተገዲዱ ኣሎ፡፡

ሎሚ የማነ ብስራትን ትግራይን ኣብ ፀገም ኣለው፡፡ የማነ ብሕዱር ሕማማት ተከቢቡ ትግራይ ብኩሉ ኣንፈት ብፀላእቲ ተከቢባ መተንፈሲ ጨንቂዎም ኣሎ፡፡ ቃንዝኦም በቢመዓልቱ እናወሰከ ናብ ቀልቀል ኣፍ ሞት ይጎዓዙ ኣለው፡፡

እዚ ፀገም ክሓልፍ እዩ ንዝሓለፍ ፀገምን ፀበባን ግን ክንተሓጋገዝ ይግባእ ዝበሉ የማነን ስድርኡን ዓለም ጨኪና ኢሎም ሕዚ እውን ተስፋ ኣይቆረፁን፡፡ የማነ ንስድርኡ ዓንዲ ገዛ እዩ፤ ወዱን በዓልቲ ቃልኪዳኑን ድማ ብሞት ክስእንዎ ኣይደልዩን፡፡ ወዱ ኣቦይ ከይመውት ሓጉዙለይ ኢሉ እናፀወዐ እዩ፡፡

ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ብሰንኪ እቲ ክባን ዕፅዋን ደረጃ ፀገም ትግራይን ህይወት ህዝቢ ትግራይን ብየማነ እዩ ዝግለፅ፡፡ ቃንዛ ትግራይን ህዝባን ዘብቅዕ ብሓድነትናን ቕልፅምናን ብምዃኑ ድማ እናተቃለስናን እናተሓጋገዝናን እዛ ፀልማት ዘመን ብፅንዓት ክንሰግራ ይግባእ፡፡ የማነን ስድርኡን ሓገዝኩም ስለ ዝጠልቡ ድማ ሃየ፡፡

ብጎይተኦም ተኸስተ

Previous articleወራር ሓይልታት ጥፍኣትን ሳዕቤናቱን
Next articleሰብ ክልተ ዓለም