Home ዜና መድረኽ ዕማም ሕውየት ትግራይ

መድረኽ ዕማም ሕውየት ትግራይ

608
0

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ሓይልታት ፅንተት ብዘካየድዎ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ትግራይ ኩሉ ነገራ ሲኢና ኢሎም ከምዘላ ብምዝኽኻር ሕውየት ትግራይ ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ጥጡሕ ባይታ ከነፅር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም፡፡

ፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ ነዚ ዝገለፁ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ መላእ ኣመራርሓ ወረዳታትን ከተማታትን ትግራይ ቀፀልቲ ዕማማት ሕውየት ትግራይ ዘጣጥሑ ዕማማት ብምትላም ብዝተዋደደ መንገዲ ንምስራሕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ክልላዊ መድረኽ እዩ፡፡ ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ትግራይ ብዝተዋደደ ወራር ፀላእቲ ኩሉ ነገራ ሲኢና ትርከብ ምስ በሑ እንተኾነ ግና ኣብ ሓፂር እዋን ብደቃ ናብ ዘሓሸ ምዕራፍ ክትሰጋገር ዝግባእ ትግራይ ከምዘላን ነዚ ንምግሃድ ድማ ዓቕምታት ከየንጠባጠብና ክንጥቀመሎም ይግባእ ኢሎም፡፡

ብሰንኪ እቲ ዝተኻየደ ኵናት ህዝብና ንቡር ናብራ ሓሪምዎ ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ተፀባይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኸውን ተገዲዱ ምህላው ዝገለፁ ፕረዝዳንት ጌታቸው ረዳ ነዞም ፀገማት ንምፍታሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዕቱብነት ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ኣረዲኦም፡፡

ብመሰረት ስምምዕነት ቶኽሲ ብዘላቕነት ጠጠዉ ምባል ፕሪቶርያ ሰራዊት ትግራይ ከበድቲ ዕጥቅታቱ ክፈትሕ ተገይሩ ምህላውን ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑፀር ሰራዊት ስልጠናታት ወሲዱ ናብ ማሕበረሰቡ ተሓዊሱ ዳግም ንምጥያሽ ዘኽእሎ ገንዘብ ንክረኽብን ናብ ንቡር ናብርኡ ንክምለስን ግና ዓብይ በጀት ዝሓትት ብምዃኑ ነዚ ንምዕዋት ምስ ሃገራት ምዕራብ ቀፀልቲ ልዝባት ይካየድ ምህላው ኣፍሊጦም፡፡

ብገ/መስቀል ኪሮስ

Previous articleተበግሶ ሰብ ሃፍቲ ንዳግመ ህንፀት ዝዓነዋ ኣብያተ ትምህርቲ ነበለት
Next articleኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይን ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ባህሊ ኦሮሞን ብሓባር ንምስራሕ ተፈራሪሞም