Home ማሕበራዊ መግለፂ ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ዞባ መቐለ

መግለፂ ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ዞባ መቐለ

1429
0

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ #ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ #ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ #ዘአክሱም ወዕጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ወዲሰብ ብሕይወቱ እናሃለወ ከም ዕንፀይቲ ብሓዊ ምቅፃል ካብ ሃይማኖትን ባህልን ወፃኢ ዝኾነ ኣፀያፊ ናይ ሰይጣን ተግባር እዩ ብምባሎም ዝበፀሖም ዘሎ ፀለመ፣ ምፍርራሕ፣ ፀቅጥን ተቃውሞን ኣግባብነት ዘይብሉ ስለ ዝኾነ እቲ ብቅዱስነቶም ዝተውሃበ መልእኽቲ ንድግፍ ኢና።” ክብሉ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዞባ መቐለ ብፁዕ ኣቡነ ኢሳይያስ ገሊፆም፡፡
ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ዞባ መቐለ ብፁዕ ኣቡነ ኢሳይያስ ናይ ላዕለዎት ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ሃገረ ስብከት መቐለን ላዕለዎት ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ወረዳ ቤተ ክህነት ኣመሓደርቲ 44 ገዳማትን ኣድባራትን፤ ጠቅላላ መገልገልቲ ሰራሕተኛታትን ኣባላትን ቤት ትምህርቲ ሰንበት ሓድነት መቐለን መልእኽቲ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ወዕጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ንዝሃብዎ መግለፂ ኣመልኪቶም መግለፂ ቅዋም ኣውፂኦም፡፡ ንሕና ልዕል ኢሉ ኣድራሻና ዝተገለፀ ኣካላት መጋቢት 19/2014 ዓ/ም ብሓባር ብምዃን ኣኼባ ኣካይድና።


መኣከቢና ምክንያት ድማ ኣብ ልዕሊ እዛ ናይ ሃይማኖት ፤ናይ ስልጣነ፤ናይ ማዕርነት፤ ናይ ታሪክን ቅርስን መሰረት ዝኾነት ትግራይን ተጋሩን ካብ ጥቅምቲ 24/ 2013 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ዝካየድ ዘሎ ዘይዛሪ ዘርኢ ህዝቢ ትግራይ ምጥፋእ ጆኖሳይድ፤ ናቱ መቐፀልታ ዝኾነ እውን ካብቱ ዘይዛሪ ጆኖሳይድ ዝተረፈ ህዝቢ ትግራይ ሰኣን እኽልን መድሓኒትን ብጥሜትን ብሕማምን ንክሃልቅ ተገይሩሉ ኣሎ፡፡ ብ4ተ መኣዝን ዕፀዋን ከበባን ከምኡ ድማ ለካቲት 24/2014 ዓ/ም ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝተፈፀመ ናይ ጭካነ ጫፍ ብዝኾነ መንገዲ ወዲሰብ ብሕይወቱ እናሃለወ ብሓዊ ምቅፃል ተግባር ንምኩናንን ብፁዕ ወቅዱስ አቦና ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ወዕጨጌ ዘመንበረ ተክለሃማኖት ወዲሰብ ብሕይወቱ እናሃለወ ከም ዕንፀይቲ ብሓዊ ምቅፃል ካብ ሃይማኖትን ባህልን ወፃኢ ዝኾነ ኣፀያፊ ተግባር ሰይጣን እዩ ብምባሎም ዝበፀሖም ዘሎ ፀለመ፤ ምፍርራሕ፤ ፀቅጥን ተቃውሞን ኣግባብነት ዘይብሉ ስለ ዝኾነ እቱ ብቅዱስነቶም ዝተውሃበ መልእኽቲ (መግለፂ )ንምድጋፍን እዩ።


ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወዕጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ቅድሚ 3ተ ዓመት ጀሚሮም እቲ ዝግበር ዝነበረ ናይ ምፍልላይን ምፅልእላእን ጎሰጓስ ጎዳኢ ምዃኑን ንህዝብን ንሃገርን ከም ዘይጠቅምን እናስተምሃሩን ኣብ ሶማሌን ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላትን ኢትዮጵያ ብሄር መሰረት ዝገበረ ሰብ ምፍንቃል፣ ምቅታልን ንብረት ምዝራፍን ጠጠው ይበል እናበሉ ንብዓት ዓይኖም እንተይቀረየ እናፍሰሱ እቲ ሕማቅ ተግባር እናኾነኑ ነይሮም፤ ሰማዒ ግን ኣየረኸቡን።
ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ጀሚሩ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ዘርኢ ምጥፋእ ጆኖሳይድ ኲናት ድማ ህዝብና ህዝቢ ትግራይ ዝበደሎን ዘጥፈኦን ዘየለ ኣብ ዓዱ ኾይኑ ድኽነት ንከጥፍእ ለይትን ቀትርን እናሰርሐ እናሃለወ ብዘይ ሓሰቦን ብዘይተፀበዮን ብድንገት ካብ ታሪክ ዓለም ፍሉይ ብዝኾነ መንገዲ ወዲሰብ ክፍፅሞ ይኽእል እዩ ኢልኻ ብፍፁም ዘይግመት፣ ንምግላፁ ብጣዕሚ ብዘደንግፅን ብዘሐዝንን መልኪዑ ብመሪሕነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ወታደራት ባዕዳዊ ሃገር ብምዕዳም ወረርቲ ሓይሊ ወታደራት ብልፅግና፤ ትምክሕተኛታትን ገበትን ሓይሊ ኣምሓራን ወታደራት ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ኣብ ዓለም ዘሎ ናይ ጦር መሳርሒ ድሮን ሓዊሱ ኩሉ ኣኪቦም ብምምፃእ ህዝቢ ትግራይ ካብ መረበቱ ክፈናቃል፤ናይ ባዕሉን ናይ እንስስኡን መንበሪ ዝኾነ ገዛ ክቃፀል፤ ንምግብን ንመጎዓዓዝያን ዘገልግልዎ እንስሳቱ ምቅታልን ምጉሓልን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣነስትዮ ኣሕዋትናን እኖታትናን ከምኡ እውን ትሕቲ ዕድመ ህፃናትን ኣረጋውያንን መነኮሳት ሓዊሱ ብዕስለ (ብጉጅለ) ኣፀያፍን ኣሰቃቂን ብዝኾነ መልክዑ ፆታዊ ጥቅዓት ምፍፃም ፤ምቅታል፤ቀቲልካ ንከይቅበር ንኣዋርሕ ንክፀንሕ ገይርኻ ቀለብ ኣራዊት ንክኸውንን ብሓዊ ንክቃፀልን ምግባር ፤ሕይወት ወዲስብ ከም እንስሳ ናብ ገደል ምድርባይ ፤ብጀትን ብናይ ኣዕራብ ድሮናትን ሰለማዊ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ቦታ ተጨፍጪፋ እዩ።
ኣብያተ ክርስቲያና እውን ናይዙ ግፍዒ እዙይ ግዳይ ኾይነን ብኸቢድ ብረት፤ ብጀትን ብድሮንን ተወቂዐን ፈሪሰን ፤ኣገልገልትን ዝነበሩ ካህናትን ዲያቆናትን ተሓሪዶም፤ መስሕብ ቱሪስት ዝኾኑ ንዋየ ቅድሳትን ቅርስታተንን ድማ ብዞም ኣረሜናውያን ወታደራት ተጉሒሎም፤ ተዘሪፎም፤ተቃፂሎም፤ ዝተከበሩ ገዳማትናን ኣድባራትናን እውን ተደፊሮምን ተራኺሶምን እዮም።


ብጠቅላላ ህዝቢ ትግራይ ኣየድለየናን፤ ምስ ህዝቢ ትግራይ ካብ ምንባር ምስ ሰይጣን ምንባር ይሕሸና፤ ህዝቢ ትግራይ እንተሞይቱ እውን ታሪኹ ኣብ ትሕቲ መሬት ክርከብ የብሉን፤ ቅርሱ፣ ንብረቱን መሬቱን ጥራሕ እዩ ዘድልየና ኢሎም ብኩሉ ዓይነት ዘይዛሪ ተግባር ጆኖሳይድ ፈፂሞምሉን እናፈፀምሉን ይርከቡ።
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወዕጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ነዚ ግፍዕን በደልን ኣመልኪቶም ድምፆም ከየስምዑ ድማ ተዓፊኖም ፀኒሖም፤ ብዝረኸብዎ ዕድል ተጠቂሞም እውን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ዘርኢ ምጥፋእ ኣግባብነት የብሉን እናበሉ ነታ ሰላማዊት ቅድስት ቤተክርስቲያን ወኪሎም ዝሃብዎ መግለፂ ዝተወሰኑ ሊቃነ ጳጳሳት ኢትዮጵያ ኢና በሃልትን ናይታ ቅድስት ቤተክርስቲያና ኩነታት ብኣግባቡ ዘይፈልጡ ዲያቆናት ኢና በሃልትን ኣብ ወፃእን ኣብ ውሸጢ ዓድን ኾይኖም እቱ ናይ ቅዱስ ፓትርያርክ መልእኽቲ ንሕገ ቤተክርስቲያንን ንቅዱስ ሲኖዶስን ኣይውክልን ኢሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኻየድ ዘሎ ጆኖሳይድ ተጠናኺሩ ክቅፅል ንምግባር ድምፂ ተቃውሞ ኣስሚዖም እዮም።
ብተወሳኺ እዞም ገለ ሰባት ሃይማኖት ጉልባብ ገይሮም ኣብ ናይ ፖሎቲካ ወንበር ተቐሚጦም ናይ ፅልእን ምፍልላይን ፋብሪካ ኾይኖም ለይትን ቀትርን በብግዚኡ ብዘመሓላልፍዎ ዘለው እኩይ ተግባር ምክንያት እውን እቲ ካብ ጆኖሳይድ ዝተረፈ ህዝብና ሰኣን እኽሊ ብጥሜት፤ ሰኣን መድሓኒት ድማ ብሕማም ክሳቀን ክመውትን ምእንቲ ብ4ተ መኣዝን ዕፅዋን ከበባን ክፍፀመሉ ኪኢሉ እዩ።


ለካቲት 24/ 2014 ዓ/ም ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ሰብ ብሕይወቱ ናብ ሓዊ ኣእቲኻ ምቅፃል ናይ ኣረሜናዊነት ስራሕ ምዃኑ ብፁዕ ወቅዱስ ቅዱስ አቦና ኣጥቢቆም ኣብ ዝኮነንሉ እዋን ድማ ሐዚ ውን እቶም ሙሉእ ሕይወቶም ናይ ክሕደትን ጥፍኣትን ዝኮኑ ሓደ እግሮም ኣብ ፖሎቲካ ሓደ እግሮም እውን ኣብ ሃይማኖት ኣለና እናበሉ ዓዲ ዘፍርሱ ዘለው ውልቀ ሰባት ንቶም ብሕገ ቤተክርስቲያን መሰረት ዝተሸሙ ንልዕሊ 9ተ ዓመት ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ፓትርያርክ ኾይኖም ዝመርሑ ዘለው፤ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ካብ መዓርገ ዲቁና ክሳብ ፓትርያሪክነት ዘብፀሐቶምን ዘኽበረቶምን ንሶም እውን ንቅድስተ ቤተ ክርስቲያና ቀነኖኣ፤ ትውፊታ፤ ሕጋ፤ ስርዓታ፤ ብዝግባእ ኣኽቢሮም ዝመርሑ ዘለው ቅዱስ ኣቦና ብድፍረት ቤተክርስቲያን ኣይፈልጥዋን ኢሎም እንትናገሩ ንሰምዕ ኣለና፤ እዞም ሰባት እዚኦም እውን ካብቶም ሃልዎተ እግዚኣብሔር ዝረስዑ ሰባት ስለ ዝኾኑ እቱ ዝብልዎ ዘለው ይትረፍ እምነት ክርስትና ተኸታሊ እየ ዝብል ሰብ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ዘይሕሎ ኣፀያፊ ተግባርን መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ዘይቅበሎ ልዕሊ ጭካነ ዝኾነ ናይ ሰይጣንን ናይ ክሕደትን ስራሕ እዩ።
ንዙይ መሰረት ገይሩ ድማ ሀገረ ስብከትና ምስ መሓውሩ ብምዃን ዘርኢ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዝግበር ዘሎ ዘይዛሪ ጆኖሳይድ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ኩሉ ዝምልከቶ ኣካልን ሪኡ መፍትሒ ይግበረልና እናበለ በቢግዙኡ መግለፂ ቅዋም እናውፀአን ነቲ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝፍፀም ዘሎ በደል እናውገዘን (እናኮነነን) ዝመፀ እንትኾን ነቲ እናተፈፀመ ዝመፀ ዘይዛሪ ጀኖሳይድ መቐፀልታ እውን ወዲ ሰብ ብሕይወቱ ከም ዕንፀይቲ ብሓዊ ንክቃፀል ምግባሮም መሪር ሓዘን ስለ ዝተሰመዐና ንምኩናንን ብፁዕ ወቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወዕጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ሕይወት ወድ ሰብ ብሓዊ ምቅፃል ኣፀያፍን ሰይጣናዊ ተግባርን እዩ ኢሎም ምቅዋሞም ክምስገኑ እናተገበኦም ብግልባጡ ኣብ ልዕሊኦም ዝበፅሕ ዘሎ ፀቅጢ፤ ምፍርራሕ፤ ፀለመን ተቃውሞን ጠጠው ክብል ኣለዎ ኢልና ንምቁዋምን ናይ ቅዱስነቶም መልእኽቲ እንድግፎ ምዃና ዝገልፅ መግለፂ ቅዋም ኣውፅኢና ኣለና።

  1. ለካቲት 24/ 2014 ዓ/ም ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዞባ መተከል ንቡዙሕ ዓመት ናብራ መስሪቶም ይቅመጡ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ምንም ዘጥፍእዎ ጥፍኣት ኣብ ዘይለን ደሞምን ዓፅሞምን ናይ ትግራይ ብምዃኑ ጥራሕ ይቅር መሰል ወድ ሰብ መሰል እንስሳትን እፅዋትን እውን ኣብ ዝተኸበረሉ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ይቅር ሃይማኖት ኣለዋ ኣብ እትባሃል ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ዝኾነ ይኹን ሰብ እውን ክፍፅሞን ክሓስቦን ይኽእል እዩ ኢልኻ ብፍፅም ዘይግመት፤ ይቅር ወዲ ሰብ ኣራዊት እውን እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ከምኡ ዝመሰለ ዓይነት ፍጥረት ክፍፅሞ ዘይኽእል፤ ሃይማኖትን ባህልን መሰረት ዘይገበረን ልዕሊ ጭካነ ብዝኾነ ኣሰራርሓ ብሄርን ዘርእን ብምፍላይ ከምቲ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ዝፈፀምዎ ተግባር ሐዚ ውን ናቱ መቐፀልታ ብሕይወቶም እናሃለው ከም ዕንፀይቲ ብሓዊ ንክቃፀሉ ምግባሮም መሪር ሓዘን ከም ዝተሰመዐና እናገለፅና እዚ ተገይሩ ዘሎ ናይ ሰይጣንን ኣረሜናዊን ተግባር ድማ ኣጥቢቅና ንኩንኖን ነውግዞን ኣለና።
  2. ወድ ሰብ ኣብ ሃገሩ ብሕይወቱ ሰሪሑ ናይ ምንባር ዕድል ሲኢኑ ኢትዮጵያ ማለት ኣብዚ ሐዚ እዋን ንኹሉ ዜጋኣን ብፍላይ ድማ ንተወለድቲ ትግራይን ተጋሩን ከም ሲኦል ኾይና ብቀትሪ መዓልቲ ሰብ ብሕይወቱ እናሃለወ ብሓዊ እተቃፅል ሃገር ኾይና ስለ ዘላ ዝምልከተኩም ኣብ ኣፍሪካ ፤ኣብ ኣውሮፓን ኣብ ኣሜሪካን ዘለኹም ተጣበቅቲ ሕጊ መሰል ደቂ ሰባት ጉዳዩ ብዝግባእ ሪኢኹም እቱ ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩን ዝፈፀም ዘሎ ዘይዛሪ ጆኖሳይድ ብስሙ ጆኖሳይድ ተባሂሉ ንክፅዋዕ ንክትገብሩልናን ንዚ ኣረሜናዊን ሰይጣናውን ተግባር ዝፈፀሙ ኣካላት እውን ብዝፈፀምዎ ገበን ናብ ሕጊ ቀሪቦም ተሓተቲ ንክኾኑን ብዘለኩም ሓላፍነት ካባኹም ዝድለ ኹሉ ንክትገብሩ ብስም መሰል ደቂ ሰባት ንምሕፀን ።
  3. ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም ናይ ኢትዮጵያ ዜጋ ብፍላይ ድማ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ዓዶም ብሕይወት ናይ ምንባር መሰል ተኸሊኦም ብሓዊ እናተቐፀሉ ይሓልቁ ስለ ዘለው እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝፍፀም ዘሎ ሰይጣናዊ ተግባር ብህፁፅ ጠጠው ንክብልን ፍታሕ ንክግበረሉን ናይ ባዕልኹም ተራ ንክትዋፅኡ ብስም ፈጣሪ ንልምን።
  4. መራሕቲ ዓለምን ኣፍሪካን ተወለድቲ ትግራይ ንልዕሊ 3ተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ኣይትነብሩን ተባሂሎም በብግዚኡ እናተኣሰሩ፤ እናተቐተሉን እናተሓረዱን እንተኾኑ ብተወሳኺ ድማ እዞም ወረርቲ ሓይልታት ቅድም ኢሉ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ዝፈፀምዎ ናይ ወድ ሰብ ሕይወት ብሓዊ ምቅፃል ተግባር ሐዚ እውን ናቱ መቐፀልታ ለካቲት 24/2014 ዓ/ም ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዞባ መተከል ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ተጋሩ ዝፈፀምዎ ተሰሚዑን ተራእዩን ዘይፈልጥ ጫፍ ዝወፀ ጭካነ ዝተመልኦ ብሓዊ ምቅፃል ተግባር ፤ንድሕሪ ሐዚ እውን ክፍፀም ዘይግባእ ሰይጣናውን ኣረሜናውን ተግባር ስለ ዝኾነ ኹሉ ህዝቢ ዓለም ንክኩንኖን ንከውገዞን ንክትገብሩልናን ብህፁፅ ጠጠው ንክተብሉልናን ንምሕፀን።
  5. እዚ ልዕሊ ጭካነ ዝኾነ ሰይጣናዊ ተግባር እዙይ ንክፍፀም እናበራታትዑ ዝመፁ ምስቱ ናይ ሃይማኖትን መሰረት ዝኾነን ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጠረን ህዝቢ ትግራይ ካብ ምንባር ምስ ሰይጣን ምንባር የሐሸና እናበሉ ናይ ሃይማኖት ሕጊን ስርዓትን ዘይኽተሉን ናይ ሃይማኖት ስራሕ ዘይሰርሑን ሃይማኖት ጉልባብ ገይሮም ብስም ሃይማኖት ዝሽቅጡን ዘጭበርብሩን ብናይ ሃይማኖት ስም እናተፀውዑ ናይ ሃይማኖት ክዳን ተኸዲኖም ኣብ ናይ ፖሎቲካ ወንበር ተቐሚጦም ዘለው ዝተወሰኑ ሊቃነ ጳጳሳት ኢትዮጵያን ከም እኒ ናይ ክህነት መሰረት ዘይብሉ ዲያቆን እየ በሃሊ ዳንኤል ክብረትን ንዙ ናይ ወዲ ሰብ ሕይወት ብሓዊ ምቅፃል ተግባር ብዋናነት ባረኽትን ሰብ ጉዳይን ስለ ዝኾኑ ነታ ቅድስትን ንፅህትን ዝኮነት ቤተ ክርስቲያና ዘይውክሉ ምዃኖምን ንዝፈፀምዎ ተግባር ገበን እውን ብዝምልከቶ ኣካል ኣብ ሕጊ ቀሪቦም ተሓተቲ ንክኾኑን ፃውዒትና እናቅረብና እዙይ ዘይግበር እንተኾይኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀምዎን ዝፍፅምዎ ዘለውን ምፅናት ዘርኢ ስራሕ ጆኖሳይድ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ተሓተቲ ከም ዝገብሮም ኣጥቢቅና ነፍልጥ።
  6. ብፁዕ ወቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወዕጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ለካቲት 24/2014 ዓ/ም ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ሰብ ብሕይወቱ ናብ ሓዊ ኣእቲኻ ምቅፃል ዝተፈፀመ ተግባር ናይ ሰይጣንን ኣረሜናዊነትን ስራሕ ምዃኑ ኣጥቢቆም ኣብ ዝኾነንሉ እዋን እቶም ሙሉእ ሕይወቶም ኣብ ክሕደትን ኣብ ጥፍኣትን ዝኾነን ሓደ እግሮም ኣብ ፖሎቲካ ሓደ እግሮም እውን ኣብ ሃይማኖት ኮይኖም ዓዲ ዘተራምሱ ዘለው ግለ ሰባት ንቶም ብሕገ ቤተክርስቲያን መሰረት ዝተሸሙ ንልዕሊ 9ተ ዓመት ናይ ኢትዮጵያ ፓትርያርክ ኾይኖም ዝመርሑ ዘለው ቅዱስ ኣቦና ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ድማ ካብ መዓርገ ዲቁና ክሳብ ፓትርያርክነት ዘብፀሐቶምን ዘኽበረቶምን ንሶም እውን ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ቀኖና፤ ዶግማ፤ ትውፊት፤ ሕግን ስርዓትን ብዝግባእ ኣኽቢሮም ዝመርሑ ዘለው ቅዱስ ኣቦና ብድፍረት ቤተክርስቲያን ኣይፈልጥዋን ኢሎም ዝናገሩ ዘለው ግለ ሰባት እቲ ዝብልዎ ዘለው ሓሳብ ካብ ሰብኣውነት ወፃኢ ዝኾነ ናይ ክሕደት ቃልን ኢሉ እውን ንቅዱስ ኣቦና ዘይምጥንን ዘይገልፅን ተግባር ስለ ዝኾነ ብትረት ኣጥቢቅና ንቃዎሞ ኣለና ።ናይ ቅዱስ አቦና መልእኽቲ (መግለፂ) ድማ ይበል ዘብልን ትክክለኛን ስለ ዝኾነ ብሙሉእ ድምፂ ንድግፎ ኢና።
  7. ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ናይ ትግራይ ተወለድቲ ካህናትን ምእመናንን ቅድሚ ሐዚ ኣብ ዝግልገሉሉን ዘገልግሉሉን ዝነበረ ቤተክርስቲያን (ቦታ) ንከይግልገሉ (ንከይነብሩ) ብመራሕቲ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝግበረሎም ዘሎ ክልኸላ ኮነ ምንግልታዕ በፍፁም ካብ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርቲያን ኣማኒ ትፅቢት ዘይግበር ስራሕ ስለ ዝኾነ ጠጠው ንክብልን ብሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም ድማ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍፀም ዘሎ በደልን ግፍዕን ደው ንክብል ትሕብብር ንክግበረልና ንፅውዕ።
  8. ብፁዕ ወቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወዕጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት መላእ ተኸታሊ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ የመሓዱሩኒ ኢሉ ብሙሉእ ድምፂ ዝመረፆምን ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝፈልጦምን ቀኖናን ስርዓትን ቅድስት ቤተክርስቲያን ብዝግባእ ሓልዮም ዝመርሑ ዘለው ቅዱስ ኣቦና ሕግን ስርዓትን ቅድስት ቤተክርስቲያና ብዝእዝዞ መሰረት ብዘለዎም ላዕለዋይ ሓላፍነት ንህዝቦምን ንቅድስት ቤተክርስቲያኖምን ብነፃነት ንከይየማሓድሩን ንከይመርሑን ተወላዲ ትግራይ ብምዃኖም ጥራሕ ኣብ ልዕሊኦም ዝግበር ዘሎ ፀለመ፤ ዓፈናን ፀቅጥን ጠጠው ንክብል ተቃውሞና እናስማዕና ብሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም እውን እቲ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቦና ዝግባር ዘሎ ፀለመ፤ ዓፈናን ፀቅጥን ኩሉ ዓይነት በደልን ግፍዕን ደው ንክብልን መፍትሒ ንክግበረሉን ፃውዒትና ነቅርብ።
  9. ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ሊቃውንተ ቤተክርስቲያንን ዲያስፖራ ትግራይን ከምኡ እውን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብዙ ሐዚ እዋን ትግራዋይ ኣብ ዓዱ ምንባር ተኸሊኡ ምንም ዝበደሎ ዘየለ ብቀትሪ መዓልቲ ብሕይወቱ ከም ዕንፀይቲ ብሓዊ እናተቃፀለ ፤ ብ4ተ መኣዝን ተኸቢቡን ተዓፅዩን እናሞተ ካብ ሞት ዝተረፈ ድማ ብጥሜትን ብሕማምን እናተሳቀየ ስለ ዘሎ በብዘለክምዎ ኾይንኹም እቲ ዝፍፀመሉ ዘሎ ገበንን ግፍዕን ጠጠው ክብል፤ መላእ ማሕበረ ሰብ ዓለም ክፈልጦን መፍትሒ ክግበረሉን እትገብርዎ ዘለኹም ርብርብ ብጣዕሚ ዝናኣድን ዝምስገንን ስለ ዝኾነ ሐዚ እውን ጉዳዩ ናይ መወዳእታ ዕልባት ክሳብ ዝረክብ ኣጠናኺርኹም ክትቅፅልሉ ብስም ቅድስት ቤተክርስቲያና ፃውዒትና ነቅርብ።
  10. ኣብ መወዳእታ ካብ ጥቅምቲ 24/ 2013 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ እቲ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይን ተጋሩን ዝፍፀም ዘሎ ኩሉ ዓይነት ዘይዛሪ ጆኖሳይድ ገበን ብገለልተኛ (ብዘይሸራዊ) ክፃረ፤ ነቲ ገበን ዝፈፀሙ ኣካላት እውን ናብ ሕጊ ንክቐርቡ፤ እቲ ሐዚ ተገይሩ ዘሎ ንዘይተወሰነ እዋን ብክልቲኡ ወገን ቶኹሲ ጠጠው ምባል ተፈፃምነት ክህልዎ ብ4ተ መኣዝን ዝተገበረልና ዕፅዋን ክባን ክኽፈት፤ ናብ ትግራይ ካብ ሓገዝ እኽሊ ጀሚሩ ኩሉ ዓይነት ዘድሊ ኣቅርቦት ንከአቱ ፤ ብቐፃልነት ድማ ጉዳዩ ብቱ ተጀሚሩ ዘሎ መንገዲ ሰላም መሰረት ብምምይይጥ ኣብ ጠረጴዛ ዙርያ ክፍታሕ ከም እንድግፎ እናገለፅና፤ ናይ ዓለም ነገስታትን ናይ ኣፍሪካ መራሕትን እውን ፍሉይ ቆላሕታ ንክገብሩሉን ዝምልከቶም ኣካላት ንምምይይጥ ቁሩባት ንክኾኑን ብስም እግዚኣብሔር ኣምላክ ፃውዒትና እናቅረብና እዚ በዓል 10 ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ኣውፅኢና ኣለና።
    ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር
    መቐለ (ትግራይ) መጋቢት 19/2014 ዓ/ም
Previous article“ክብርታት ተጋሩ ስኣን ምጥቃም ትግራይ ኣብ ዘይዛሪ ኣዙት ትርከብ” መድረኽ ማ.ል.ት
Next articleፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፣ መስተንክራዊ ስርሕቲታት ንዝፍፅማ ዘለዋ ዋዕሮታት ትግራይ ኣመስጊኖም