Home ዜና መግለፂ ሰናይ ትምኒት ፕረዚዳንት ትግራይዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

መግለፂ ሰናይ ትምኒት ፕረዚዳንት ትግራይዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

906
0

ዝኸበርካ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ ንኹሎም ኣብ ቅድሜኻ ዝተገተሩ ማሕለኻታትን ብድሆታትን ብልዑል ጥበብን ብቕዓትን ሰጊርካ፣ ኩሎም ፀላእቲ ትግራይ ኣንፃርካ ዘካየድዎ ወፍሪ ፀለመን ተቓውሞን ኣፍሺልካ፣ ብዘርኣኻዮ ብቑዕ መሪሕነትን ብዘመዝገብካዮም ጭቡጣት ለውጥታትን ዳግም ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይንካ ብምምራፅካ፣ ብስም ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝተሰመዐኒ ሓበንን ኩርዓትን እናገለፅኩ፣ እንኳዕ ደስ በለካ፣ ደስ በለና ክብል ይፈቱ።ርሑስ ናይ ስራሕን ዓወትን ግዜ ክኾነልካ ይምነ፣ ህዝብን መንግስትን ትግራይ እውን ኣብ ጎኒኻ ምዃኖም ደጊመ ክገልፀልካ ይፈቱ።

Previous article6ይ ዘመን 3ይ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ
Next articleምኹላፍ ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ዓፋር