Home ዜና መግለፂ ሲቪል ማሕበረሰባዊ ትካላት ትግራይ

መግለፂ ሲቪል ማሕበረሰባዊ ትካላት ትግራይ

871
0

ጀኖሳይድ ትግራይ ንምፅራይ ዝተጣየሸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ብኣካል ብምእታው ብቅንዕናን ብተኣማንነትን መፅናዕቲ ክገብር ፃውዒት ቐሪቡ፡፡

ጀኖሳይድ ትግራይ ንምፅራይ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዝተጣየሸ ኮሚሽን መፃረይ ገበናት ናብ ትግራይ ብኣካል ብምምፃእ ኣብ ሙሉእ ትግራይ ዝተፈፀሙ ዓለም ለኸ ገበናት ብተኣማንነት፣ ብቅንዕናን ብፍትሓዊነትን መፅናዕቲ ከካይድ ከምዝግባእ ሲቪል ማሕበረሰብ ትካላት ትግራይ መፀዋዕታ ኣቕሪበን፡፡

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ፣ጥምረት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ፣ ማሕበር ምሁራት ዩኒቨርሲታት ትግራይን The Tigray Human rights advocacy Networkን ብሓባር ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት፣ ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ንኮሚሽን መፃረይ ገበናትን ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳበ ቕድሚ ሕዚ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈፀመ ጌጋ ሕዚ እውን ከይድገም ጥንቃቐ ክግበር ፀዊዖም፡፡

ኣብ ሜላ ኣጠቓቕማ መፅናዕትን ገበናት ዝተፈፀመሉ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ምሽፋንን ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ከምዘለዎ እውን እቲ ደብዳበ ኣነፂሩ፡፡

እተን ትካላት ነቲ ጀኖሳይድ ትግራይ ንምፅራይ ተጣይሹ ዘሎ ኮሚሽን መፃረይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሓቢረን ንምስራሕ ድልዋት ከምዝኾና ድማ ኣፍሊጠን፡፡

ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ

—-

Previous articleሓበራዊ መግለፂ ማሕበረሰብ ሲቪል (GSTS, TUSA, THRAN, ACSOT) መፃረዪ ኮሚሽን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ
Next articleማሕበር ዲያስፖራ ሙስሊም ኣልነጃሺ ኮሚኒቲ ስያትልን ኣትላንታን 450 ሽሕ ብር ሓገዝ ገይሮም።