Home ዜና መግለፂ ቤተ ክርስትያን ኦርተደክስ ተዋህዶ ሃገረ ስብከት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ

መግለፂ ቤተ ክርስትያን ኦርተደክስ ተዋህዶ ሃገረ ስብከት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ

1326
0

ቤተ ክርስትያን ኦርተደክስ ተዋህዶ ሃገረ ስብከት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ፋሽሽታዉያንን ወረርቲ ሓይልታትን ብልፍንቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅምዎ ዘለዉ ጀኖሳይድ ብፍላይ ድማ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተፈፀመ ሰብ ምስ ህይወቱ ብሓዊ ምቅፃል ካብ ሰብኣዉን ሃይማኖታዉን ስርዓት ዝወፀ ከምዝኾነን እዙይ ድማ ኣትሪሩ ከም ዝኹንኖ ገሊፁ።
ብተወሳኺ እዉን ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ኣረሜናዊ ግፍዒ ምኹናኖም ስዒቡ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዘሎ ፀለመን ፀቕጥን ደው ከብል ኣብ ጎኖም ከም ዝኸዉን እቲ ሃገረ ስብከት ኣፍሊጡ።
ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃገረ ስብከት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ፋሽሽታዉያንን ወረርቲ ሓይልታትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅምዎ ዘለዉ መስካሕሒ ጆኖሳይድ ኣትሪሩ ከም ዝኹንኖ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሃገረ ስብከት ሊቀ ኣእላፍ ቆሞስ ኣባ እስጢፋኖስ ገ/ጊዮርግስ ገሊፆም።
ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ደቂ ትግራይን ዝፍፀም ዘሎ ፅንተት ምኹናኖም ከም ገበን ተቖፂሩ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍፀም ዘሎ ፀቕጥን ፀለመን ካብ ስርዓትን ሕግን ቤተክርስትያን ወፃኢ ከም ዝኾነ ሃገረ ስብከቶም ከም እተዉግዞ ኣባ እስጢፋኖስ ሓቢሮም።
ሽዋዉያን ኣብ መፋርቕ 15 ክ/ዘመን ኣብ ልዕሊ ደቂቀ እስጢፋኖስ ዝፈፀምዎ ግፍዒ እዮም ሐዚ እዉን ዝደግምዎ ዘለዉ ዝበሉ ኣባ እስጢፋኖስ ሃይማኖት መራሕቲ ኢና በሃልቲ ንዓመታት ዝዘርእዎ ፅልእን ዓሌታዉነትን ብተግባር ይፍፀም ከም ዘሎ ኣረዲኦም።
ማ/ሰብ ዓለም ድማ ነቲ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢምዎ ዘሎ ግፍዕን ፀበባን ዝፍፀመሉ ዘሎ ጆናሳይድን ተገንዚቡ ቅልጡፍ ፍታሕ ክገብርን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡን ዘኽእል ኤች ኣር 6600 ክፀድቕ እዉን ፃዊዕቶም ኣቕሪቦም። ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃገረ ስብከት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝግበር ዘሎ ኢ- ሰብኣዊ ተግባር በዓል ኣርባዕተ ነጥቢ መግለፂ ቕዋም ብምዉፃእ ኮኒንዎ እዩ።
ብህይወት ብርሃነ

Previous articleምጅማር ፆመ ረመዳን
Next articleጋዜጣዊ መግለፂ ሴናተራት ግዝኣት ጆርጅያ ኣሜሪካ