Home ዜና መግለፂ ዉድብ ምግቢ ዓለም

መግለፂ ዉድብ ምግቢ ዓለም

599
0

ውድብ ምግቢ ዓለም ኣቋሪፅዎ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምጅማር ጥቡቕ ቁፅፅር ከምዝገብር ኣፍሊጡ፡፡ዋና ዳይሬክተር ውድብ ምግቢ ዓለም ሲንዲ ማክከይን ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቶም ኣዝዮም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ከም ዝበፅሕ ንምርግጋፅ ዝድለ ኩሉ ከምዝግበር ኣተሓሳሲበን።

ውድብ ምግቢ ዓለም ንረድኤት ካብ ዝቐረበ ምግቢ ኣብ ዕዳጋ ከምዘሎ መርትዖታት ድሕሪ ምርካቡ ናብቲ ብሰንኪ ኲናት ኣብ ከቢድ ፀገም ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ዘቕርቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘቋረፀ ይዝከር።ነቲ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ምቍራፁ ብተወሳኺ ብቕልጡፍ ናብ ምፅራይ ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ’ሎ።ውደብ ምግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከብ ጠቕላላ ህዝቢ እቱ ሓሙሽተ ሚልዮን ተፀባይ ረድኤት ይፅበ ከምዘሎ የረድእ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ምግቢ ዓለም ሲንዲ ማክከይን ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ፡ እቲ ንሳ ትመርሖ ትካል “ወሳኒ ዝዀነ ረድኤት ናብቶም ዝጠመዩ ስድራቤታት ከይበፅሐ ዝፍፀም ስርቂ ወይ ኣብ ዘይግቡእ መዓላ ንምውፋሩ ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ተጻዋርነትና ትሕቲ ዜሮ’ዩ” ክትብል ኣፍሊጣ።ዳይሬክተር ሲንዲ ወሲኻ ድማ “እቶም ነቲ ተግባር ዝፈፀሙ ሰባት ተሓተትቲ ክኾኑ ኣለዎም” ክትብል ኣተሓሳሲባ።

እቲ ዝቐርብ ሓገዝ ምግቢ እዉን ናብቶም ኣዝዮም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ከም ዝበፅሐ ንምርግጋፅ ዝድለ ኩሉ ከምዝገብሩ’ውን ኣረጋጊፃ።ውድብ ምግቢ ዓለም ኣብ ልዕሊ ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ዝቐርብ ሓገዛት ዝፍፀም ስርቅን ኣብ ዘይግቡእ ምውዓልን ንምክልኻል ዝሓንፀፆ ውጥን ኣብ ኩሉ ክፋላት ኢትዮጵያ ዕማማቱ ተፈጻሚ ክኸውን እዩ።

እቶም ስጕምትታት ድማ፡ቅኑዕ ዝዀነ ውሕስነት ምግብን ድሌታትን ምግምጋም፣ምሕያልን ምንፃርን ኮነ ምሕደራ ተጠቀምቲን ምፍታሽ መንነትን፣ ካብ መኽዘናት ናብ ተጠቀምቲ ዝግበር ምንቅስቓስ ምግቢ ዝግበር ምክትታል ምድልዳል የጠቓልሉ።እቲ ትካል ምስ ክልላውን ሃገራውን ሰበ-ስልጣናት ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ብቐረባ ብምስራሕ ኣብ ትግራይ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ዳግማይ ክጅመር ንምግባርን ብደረጃ ሃገር ንዘለዉ ተጠቀምቲ ንምድጋፍን ከምዝሰርሕ ድማ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ’ሎ።ዋና ዳይሬክተር ውድብ ፕሮግራም ዓለም ሲንዲ ማክከይን “ካብ ዝጠመዩ ሰባት ምግቢ ምውሳድ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ካልእ ኩርናዓት ዓለም ቅቡል ኣይኮነን” ትብል።ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት፡ ሚልዮናት ህዝቢ ትግራይ ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉን ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ኰይኖም ከምዘለዉን ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ውድብ ምግቢ ዓለምን ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣሜሪካ ዩኤስ ኣይድን ንተሓገዝቲ ዝለኣኽናዮ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዘይመዓልኡ ይዉዕል ኣሎ ብዝብል ነቲ ኣብ ትግራይ ክህብዎ ዝፀንሑ ረድኤት ከምዘቋረፅዎ ይፍለጥ።ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቲ ንውሳ እተን ትካላት ረዲኤት “ለገስቲ ኣካላት ብሓፈሻ፡ ውድብ ምግቢ ዓለም ድማ ብፍላይ ዘጋጠመ ፀገም ብልዑል ትዅረትን ኣብ ሓፂር ግዜን ሓቢርና ከም እንፈትሖ እናረጋገፅኩ ንሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪትኩም ኣብዚ ቀረባ ዘመሓላላፍኩምዎ ውሳነ ኣብ ከቢድ ጸገም ንዝወደቐ ህዝብና ኣዝዩ ዝጐድእ ስለ ዝዀነ ደጊምኩም ክትርእዎን ዝተለመደ ሰብኣዊ ስራሕትኩም ኣጠናኺርኩም ክትቅጽሉሉን እላቦ” ክብል ተማሕጺኑ ነይሩ።

Previous articleኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ድሕንነቶም ንክሕሎ ዝሓትት ደብዳበ ናብ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ሊኢኾም።
Next articleካብ ማሕበር ተጋሩ ጅዳን ከባቢኣን ብሓገዝ ዝተረኽበ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ብር  ንልዕሊ 1500 ዝኣኽሉ ዉግኣት ብመልክዕ ናዉቲ ተበርኪቱ፡፡