Home ዜና መግለፂ  ውድብ ባይቶና

መግለፂ  ውድብ ባይቶና

3224
0

—–

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ኢትዮጵያ ንዝተኣሰሩ ደቂ ትግራይ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፍትሑ ማሕበረሰብ ዓለም ፀቅጢ ክገብር  ውድብ #ባይቶና ፀዊዑ፡፡

ኢትዮጵያ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ደቂ ትግራይ ከምዝኾነትን ብመንነቶም ጥራሕ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ዝእሰሩ ዘለዉ ደቂ ትግራይ ግፍዕን ስቃይን ደው ክብል ውድብ ባይቶና ገሊፁ፡፡

እዚ ዝተገለፀ  ላዕለዋይ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ዝኾነ ኣይተ ክብሮም በርሀ ዳግም ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ምእሳሩን ንክፍታሕ ዝሓትት መግለፂ ኣብ ዘውፀአሉ እዋን እዩ፡፡

ውድብ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ኣብ መላአ እዛ ሃገር ዝግበር ዘሎ ማእሰርቲ ደቂ ትግራይ ደው ክብልን  እቲ ጀኖሳይዳዊ ተግባር ጉጅለ ፋሽስት ክዕገትን ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ፀቅጢ ክገብር ሓቲቱ፡፡

 ኩሎም  እሱራት ፖለቲካ ደቂ #ትግራይ ብዘይ ቅድመ ኹነት ክፍትሑን ማሕበረሰብ ዓለም ብዓለም ለኸ ሕጊ ጉጅለ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ክቅየድ ፀቅጢ ክፈጥር ከምዝግባእ መግለፂ እቲ ውድብ ፀዊዑ፡፡

Previous articleምስሳን መፍረያይነት
Next articleፋሽስታዊ ክልከላ እታዎት ሕርሻ