Home ዜና ማሕበር ልምዓት ተወለድትን ፈተውትን ጣብያ ጉለ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ክልተ...

ማሕበር ልምዓት ተወለድትን ፈተውትን ጣብያ ጉለ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ጣብያ ጉለ ዝርከቡ ልዕሊ 1100 ተምሃሮ ኣስታት 380 ሽሕ ብር ዝዋግኦም ናውቲ ትምህቲ ሓገዝ ኣበርኪቶም።

453
0

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ጣብያ ጉለ ኣብ ዝርከባ ምሉእ ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ጉለንን ኣእሩግን ዝማሃሩ 1150 ተምሃሮ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ተገይሩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ስዒቡ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ምህላውም ብምግላፅ ተጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ብሰንኪ ስእነት ናውቲ ትምህርቲ ብግቡእ ንምክትታል ተፀጊሞም ምፅንሖምን ሐዚ ግን ብማሕበር ልማዓት ተወለድትን ፈተውትን ጣብያ ጉለ ብዝተገብረሎም ሓገዝ ትምህርቶም ብግቡእ ንምክትታል ከምዝሕግዞም ተዛሪቦም፡፡

ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ኣቦ መንበር ማሕበር ልማዓት ተወለድትን ፈተውን ጣብያ ጉለ ሻምበል ፍስሃ ኪሮስ እቲ ማሕበር ኣስታት 380 ሽሕ ዋጋ ዝወደአ ናውቲ ትምህርቲ ድጋፍ ከምዝገበረ ገሊፆም፡፡ማሕበር ልማዓት ተወለድትን ፈተውን ጣብያ ጉለ ኣብ ጎድኒ እቲ ጣብያ ብምዃን ፀገማት እቲ ቤት ትምህርቲ ንምቅራፍ ፃዕርታቱ ከምዝሕይል ድማ ኣቦ ወንበር እቲ ማሕበር ሻምበል ፍስሃ ኪሮስ ገሊፆም።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣይተ ዳኘው ኣይጠገብ ሐዚ ዘለው ትካላት ትምህርቲ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝምጥኑ ከምዘይኮኑን እንተኾነ ግን መምሃራንን ተምሃሮን ዘሎ ውድዓዊ ፀገም ተፃዊሮም ብልዑል ትግሃት ውራይ ትምህርቲ ጥራይ ክገብሩ ምዒዶም፡፡

ሙሉጌታ ገ/ጊዮርግስ

Previous articleሽልማት ባንኪ ወጋገን
Next articleዘተ ምስ ውጉኣት ተጋደልቲ ትግራይ