Home ዜና ማእኸላት ደኒ ትግራይ ኣብ በልጂም

ማእኸላት ደኒ ትግራይ ኣብ በልጂም

531
0

ሓይሊታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝፈፀመዎም ገበናት ጀኖሳይዳዊ ንምዝካር ኣብ ቤልጂም ማእኸላት ደኒ ትግራይ ከም ዝተመስረተ ተመራማሪ እፀዋት ዩኒቨርስቲ ቤልጂም ፕሮፌሰር ያን ኒሰን፡፡

ሓይሊታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝፈፀምዎ ገበን ኲናትን ጥሜትን፤ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከም ዝሞቱ ዝጠቐሰ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዩኒቨርስቲ ጌንት ቤልጂም፤ ንመዘከርታን ግዳያት እቶም ግፍዕታትን ቤልጂም ምስ ህዝቢ ትግራይ ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻርን ማእኸል ደኒ ትግራይ ኣብ ቤልጂም ከም ዝተመስረተ ኣፍሊጡ፡፡

ኩነታት ኣየር ቤልጂም ከቢድን ዛሕሊ ዝበዝሖን እኳ እንተኾነ፤ ምስ ኩነታት ኣየር ደጉዓ ተንቤን ዘመሳስሎ ባህሪያት ከም ዘለዎ ዝገለፁ ተመራማሪ እፀዋት ዩኒቨርስቲ ቤልጂም ያን ኒሰን፤ ካብ ደጉዓ ተንቤን ተወሲዶም ኣብ ቤልጂም ዝተኣኻኸቡ እፀዋት፤ ብሽም ትግራይ ማእኸል ምምስራቶም ኣገዳሲን ጠቓሚን ምዃኑ ጠቒሶም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ተወሲዶም ይዓብዩ ምስ ዘለዉ ኣትክልቲ ጎና ጎኒ፤ ቅድም ኢሎም ምስ ዝተወሰዱን ክለማመዱ ምስ ዝፀንሑን እፀዋት ተዛኒቖም ብስም ትግራይ ደኒ ከም ዝተመስረተ ዝገለፁ ተማራማራይ ስነ-እፀዋት ያን ኒሰን፤ 6 ካብ ዓሌት እፀዋት፣ 4 ቅመማ ቅመምን ዕንበባን ከምኡ ድማ ሓደ ካብ ተኽሊ ቅብኣት ዝሓቖፈ ምዃኑ ኣረጋጊፆም፡፡

ደኒ ትግራይ ኣብ በልጅም፤ ተፎጥራዊ ትሕዝትኡ ሓሊዩ ክኸይድን ከባቢያዊ ባህሪ ከይልውጥን ንምግባር፤ ተፈጥራዊ ድኹዒን ኮምፖስትን ከም ዝጥቀሙ ዝሓበሩ ያን ኒሰን፤ ብቋንቋታት ትግርኛን ፈረንሳይኛን ሽም ተዋሂብዎም ብዙሕ ሰብ ክጉብንዮም ኣብ ዝኽእል ቦታታት ከም ዝተጣየሹ ኣፍሊጦም፡፡

ካብ ደጉዓ ተንቤን ተወሲዶም ኣብ ቤልጂም ብስም ትግራይ ተጣይሾም ዘለዉ ማእኸላት ደኒ፤ ትርንጒ፣ ሙዝ፣ ኣውሊዕ፣ ጨናኣዳም፣ ሞሞናን ትርናኻን ሓዊሱ ንደንታት ትግራይ ክውክሉ ዝኽእሉ ምዃኖም ዝገለፁ ፕሮፌሰር ያን ኒሰን፤ ዕብየቶምን ተፎጥራዊ ባህሪኦምን ሓሊዮም ንኽዓብዩ ኣድላይ ክንክን ክግበረሎሞ ምስ መንግስቲ በልጂም ምርድዳእ ተፈጢሩ ምህላዉ ኣፍሊጦም፡፡

ብስም ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ቤልጂም ዝተጣየሹ ማእኸላት ደኒ፤ ሓይሊታት ፅንተት ንኽልተ ዓመታት ሙሉእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝፈፀመዎም ገበናት ጥሜትን ጀኖሳይዳዊ ኲናትን፤ ከም መዘከርታን መግለፂ ምሕዝነት ምስ ህዝቢ ትግራይን ምዃኑ ብምጥቃስ፤ ኣዝርእቲ እቶም እፀዋት ዝበዝሑ ካብ ትግራይ ከምኡ ውን ካልአት ከባቢታትን ከም ዝተኣኻኸቡ ሓቢሮም፡፡

#ገብረእግዚኣብሄር ሃይሉ

Previous articleዑደት ኣምባሳደር ነርወይ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ
Next articleብቕዓትን ሞያን ንዳግመ ህንፀት ትግራይ