Home ዜና ምህዞ መናእሰይ ኣብ ምፍታሕ ማሕበራዊ ፀገም

ምህዞ መናእሰይ ኣብ ምፍታሕ ማሕበራዊ ፀገም

1172
0

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ መናእሰይ ኣብ ከባቢኦም ብዝረከብዎም እታወታት ዘይቲ ብልዒ ብምፍራይ ናብ ዕዳጋ የቕርቡ ኣለዉ፡፡

መንእሰይ ክብሮም ሕሉፍን መሓዙቱን ቅድሚ 4 ዓመት ብክፍሊ ትምህርቲ ምህንድስና ካብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ተመሪቖም። እዞም መናእሰይ ካብ ዩኒቨርሲቲን ከባቢኦምን ብዝረከብዎ ፍልጠትን ተመኩሮን ተጠቂሞም ብዝመሃዝዎ ስራሕ ንባዕሎምን ንቤተሰቦምን ካብ ምጥዋር ሓሊፎም ፀገም ማሕበረሰብ ኣብ ምፍታሕ እጃሞም ይፃወቱ ኣለዉ። ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ #ትግራይ ኣንቢርዎ ዘሎ ኩለመዳይ ዕፅዋ ስዒቡ ቀረብ ዘይቲ ብልዒ ሓዊሱ ሕፅረት መሰረታዊ ሸቐጣት ኣጋጢሙ እዩ። እዞም መናእሰይ ድማ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕፅረት ዘይቲ ብልዒ ንምቅላል ዘይቲ ብልዒ የፍርዩ ኣለዉ። ኣብ ትግራይ ብዝረከቡ ናይ ቅብኣት ኣዝርእቲ እንጣጢዕ፣ ኒሁግን ሰሊጥን ተጠቒሞም ተፈጥሮኣዊ ዘይቲ ብልዒ የፍርዩ ኣለዉ፡፡

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ተነቢሩ ዘሎ ዕፅዋ ግልጋሎት ባንክን መጓዓዓዝያን ኣብ ስርሖም ኣፀጋሚ ኩነታት ከምዘሎ ዝገለፀ መንእሰይ ክብሮም  ዘለዉ ማሕለኻታትን ፀገማትን ተፃዊሮም ኣብ ከባቢኦም ብዝረኽብዎም እታወታት ጥራሕ ተጠቂሞም መዓልታዊ ብዉሑዱ 500 ሊትሮ ዘይቲ ብምፍራይ ብተመጣጣኒ ዋጋ ናብ ዕዳጋ የቕርቡ ከምዘለዉ ገሊፁ፡፡

ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ብዘሎ ዕፅዋ ስዒቡ ዝተፈጠረ ሕፅረት ኣቕርቦትን ናህሪ ዋጋን ዘይቲ ብልዒ ስርሖም ክሳብ ምዕፃው ዘብፅሕ ፀገም ፈጢሩሎም ከምዝነበረ ዝሓበሩ ወናኒ ቤት ምግቢ ኣይተ ገ/ክርስቶስ ገ/ሚካኤል ሕዚ ግና ኣብ ዉሽጢ ትግራይ ዝፈርዩ ብዘለዉ ከም መዓዛ ዘይቲ ዝኣመሰሉ ምህርትታት ዘይቲ ብልዒ ይጥቀሙ ብምሀላዎም  ፀገሞም ብዉሱን መልክዑ ክቃለል ከምዝጀምረን  ኣብ ተመሳሳሊ ዓውዲ ንዝነጥፉ መናእሰይ ብምትብባዕ ንካልኦት መናእሰይ ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ክዋፈሩ ብምግባር ፀገም ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ክስራሕ ይግባእ ኢሎም፡፡

ፍርያትና ብኣግባቡ ምጥቃም ምስ እንጅምር ትግራይ  ካብ ደገ ዝኣቱ ዘይቲ ብልዒ ኣትሪፋ ንደገ ሰደድ ንምግባር ዘኽእል እኹል ምህርቲ ከምዘለዋ ዝሓበረ መንእሰይ ክብሮም እቲ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገማት ተፃዊሩ ብምሕላፍ ንቐፃሊ ዘበናዊ ፋብሪካ ዘይቲ ንምትካል ልዑል ተስፋ ተሓንጊጡ ይፅዕር ከምዘሎ ተዛሪቡ። ህዝብን መንግስትን ትግራይ ድማ ንዕኦም ሓዊሱ ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ንዝነጥፉ መናእሰይ ንከተባብዕ ተላብዩ።   

ብተስፋዝጊ ዓስበይ

Previous articleተዘክሮ ዓወት ሰነ 21
Next articleፀላእቲ ዘባህረረን ዘሰንበደን ወፍሪ ኣሉላ