Home ዜና ምሕላው ምስጢር ኣብ ምዕዋት ቃልሲ

ምሕላው ምስጢር ኣብ ምዕዋት ቃልሲ

693
0

ሓረስቶት ወረዳ ማይ ቅነጣል ፀላእቲ ምሽጥር ሰራዊት ትግራይ ከይረኽቡ ብምስርሖም ፀላእቲ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክሰዓሩ ከምዝኸኣሉ ገሊፆም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ዛጊድ ኣብ ልዕሊ ፀላእቲ ኣመዝጊብዎ ዘሎ ዓወት ክሳብ መወዳእታ ዝበፅሕ ድማ ናብ ቃልሲ ዘይከተተ መንእሰይ ኣሰር ጀጋኑ ኣሕዋቱ ክስዕብ እቶም ሓረስቶት ምዒዶም፡፡

ኣቦይ ብርሃነ ተስፋይ ወዲ 75 ዓመት ነባሪ ጣብያ ሰላም ወረዳ ማይ ቅነጣል  እዮም፡፡ ኣቦይ ብርሃ ኣብቲ መፃብብ እዋን ናይ ባዕሎም ጥበብ እንዳተጠቐሙ ቃልሲ ህዝቢ ተጠናኺሩ ክቕፅል ደጀን ኮይኖም ተቓሊሶምን ኣቃሊሶምን፡፡

ኣይተ ብርሃነ ተስፋይ

እዞም ሰለስተ መንግስታት ዘሕለፉ በዓል ፀጋ ዕድመ ምስጢር ወገን ምሕላው ኣካል ቃልሲ ምዃኑ ዉህሉል ተሞክሮ ኣለዎም፡፡ ኣብ መንጎ ፀላእን ሰራዊት ትግራይን ኣብቲ እዋን ናይ ኣርባዕተ ኪሎ ሜትር ርሕቐት እኳ እንተነበረ ልክዕ ከም ኣቦይ ብርሃነ ኣብታ ጣብያ ዝነብር ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ምስጢር ኣሕሊፉ ክህብ ኣይሕሰብን፡፡

ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ መትከላዊ ዕላማ ሒዞም ብምቅላሶም ኣብ ልዕሊ ፋሽስታውያንን ወረርትን ኣብ ዘሓፀረ እዋን ካብ ኣብዝሓ ከባብታት ትግራይ ተፀራሪጎም ወፂኦም ነበርቲ ጣብያ ሰላም ድማ ንፋስ ሰላም ኣተንፊሶም ወፂኦም ኽኣትዉ ክኢሎም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ዛጊድ ኣብ ልዕሊ ፀላእቲ ኣመዝጊብዎ ዘሎ ዓወት ክሳብ መወዳእታ ንኽበፅሕ ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ቃልሲ ዘይከተተ መንእሰይ ኣሰር ጀጋኑ ኣሕዋቱ ክስዕብ ስድራ ተቓለስቲ ነበርቲ ጣብያ ሰላም ተላብዮም፡፡

ብገ/መስቀል ኪሮስ

Previous articleሎሬት ሕርሻ ዓለም ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ
Next articleጅምላዊ ቕትለት ኣብ ምዕራብ ወለጋ