Home ዜና ምሕዋይ ዝበረሱ ኣግራብ

ምሕዋይ ዝበረሱ ኣግራብ

832
0

ተኸተልቲ እምነት እስልምና ነበርቲ ከተማ መቐለ ብፀላእቲ ዝበረሰ ኣግራብ ዳግም ንምሕዋይ  ፈልሲ ተኪሎም።

ዘለናሉ እዋን …እዋን ክራማት እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ድማ ብርክት ዝበለ ሕ/ሰብ ፈልሲ እንትተክል ምርኣይ ልሙድ እዩ። ካብዚኣቶም ሓደ ድማ ኣቦይ ሓጂ ስዒድ መሓመድ ሲራጅ ወዲ 78 ዓመት በዓል ፀጋ ዕድመ እዮም።

ካብ እዋን ቁልዕነቶም ጀሚሮም ን 68 ዓመታት ዝኣክል ድማ ናብቲ ከባቢ እናኸዱ ጸሎት ከም ዝገብሩን በቢዓመቱ ፈልሲ ከም ዝተኽሉን ኣዘንቲዮሙሉና።

ኣቦይ ነጋሽ ኣረፈንን ወ/ሮ ሓዳስ ኣሕመድን ብወገኖም ፀላእቲ ዘብረስዎ ኣግራብ ንምትካእን ፣ ሓምለዋይ ከባቢ ንምፍጣርን  ፈልሲ ብምትካል ዳግማይ ክነሕውዮ ኢና ኢሎም።

ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ ሕ/ሰብ ዝበረሰ ደኒ ዳግም ንምሕዋይ ፈልሲ ክተክል ከምዘለዎን ዝተተክሉ ተክልታት ድማ ክንክን ክግበረሎም ይግባእ ኢሎም፡፡

ብመርሃዊ ተስፋይ        

Previous articleምስረታ ትካል ገባሪ ሰናይ ኒው ላይ
Next articleዓመታዊ ክብረ በዓል ሰይድ ኣሕመደ  ነጋሺ ብሰንኪ ሙሉእ ክባ ፀላእቲ ልሙድ ስነ ስርዓቱ ሓልዩ ክበዓል ኣይከኣለን።ተሳተፍቲ እቲ በዓል