Home ዜና ምሕዋይ ግዳያት ፆታዊ መጥቃዕቲ

ምሕዋይ ግዳያት ፆታዊ መጥቃዕቲ

930
0

ሰራሕተኛታት ማእኸል ፌስቱላ ሃምሊን መቐለ፣ ብዕስለ ፋሽስታዊያን ወረርቲ ፆታዊ መጥቃዕቲ ተፈፂምዎን ንፌስቱላ ዝተቓልዓ ኣዴታትን ኣሓትን ኣካላውን ስነ-ልቦናውን ሕውየት ከምፅኣ ዝገብርዎ ዘለዉ ኩለመዳይ ክንክን ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ከምዝግባእ እተን ግዳያት ገሊፀን፡፡ 

ኣዴታት ትግራይ ብዕስለ ሰራዊት ጉጅለ ፋሽስታዊያን ወረርቲ ሓይልታትን ፆታዊ መጥቃዕቲ በፂሕወን ንዝተፈላለዩ ሕማማት ተቃልዐን እየን፡፡ ካብ’ተን ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝኾነት ሓንቲ ኣዶ ብዕስለ ኣራዊት ኤርትራ ኣብ እዋን ሕርሲ ፆታዊ ዓመፅ ተፈፅምዋ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ተሳጢሓ ፆታዊ መጥቃዕቲ ካብ ምፍፃም ብዝሰገረ 9ተ ኣዋርሕ ኣብ ማህፀና ተሸኪማ ማማይ ክትሓቁፍ እናተፀበየት በቶም ግፍዓውያን ወረርቲ ህይወት ውላዳ ንሞት ተቓልዑ፣ ዓርሳ እውን ንኣካላውን ስነ-ልቦናውን ማህሰይቲ ተቃሊዓ ኣብ ማእኸል ሕክምና ፈስቱላ ሃምሊን መቐለ ከምትርከብ ትገልፅ።

ብተመሳሳሊ ሓንቲ ኣዶ ድማ ጣቢያታት ጥዕናን ሆስፒታላትን ትግራይ ብፀላእቲ ብምዕናዎም ግቡእ ግልጋሎት ሕክምና ስኢና ንሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ገዝኣ ሓሪሳ ንሕማም ፌስቱላ ተቓሊዓ ን9ተ ኣዋርሕ ኣብ ስቃይ ከምእትርከብ ትዛረብ።

እዘን ወገናት፣ ሰራሕተኛታት ማእኸል ፌስቱላ ሃምሊን መቐለ ዘጋጠሞም ፀገማት ተፃዊሮም ብሰንኪ ፀላእቲ ዝበፅሐን ኣካላውን ስነ-ልቦናውን በሰላ ንምሕዋይ ኩለመዳያዊ ምሕብሓብ ይገብሩለን ከምዘለዉ ገሊፀን፡፡

ዶ/ር መልኣኩ ኣብርሃ
ሲስተር ኣዜብ ካልኣዩ

ሰራሕተኛ እቲ ማእኸል ኣዴታት ትግራይ ክነብዓ የብለንን ኢሎም፣ ብሓቦ ዘጋጠሞም ፀገማት ብምብዳህን መፍትሕታት ብምቕማጥን ብሰንኪ ፀላእቲ ንሕማም ፌስቱላ ዝተቃልዓ ወገናት ኣካላውን ስነ-ልቦናውን ሕውየት ኣብ ምግባር ፃዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ሜዲካል ዳይሬክተር ማእኸል ሕክምና ፈስቱላ ሃምሊን መቐለ ዶ/ር መልኣኩ ኣብርሃን መተሓባበሪት ነርስ ሲስተር ኣዜብ ካልኣዩን ገሊፆም፡፡

ብበላይ ሽፈራው

Previous articleስነ ልቦናዊ ሕውየት
Next articleኣብ ኦሮሚያ ብኣሽሓት ዝግመቱ ሰላማዊ ሰባት ከምዝተጨፍጨፉ ኣባል ብልፅግና ኣቃሊዑ