Home ዜና ምምላስ ቅርስታት ኦርተዶክስ ተዋህዶ ትግራይ

ምምላስ ቅርስታት ኦርተዶክስ ተዋህዶ ትግራይ

1522
0

ኣብ #ኢትዮጵያ ዝርከቡ ጥንታውን ሃይማኖታውን ቅርስታትን ንዋያትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ #ትግራይ ብዓለም ለኸ ሕጊ ናብ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ከምተምልሶም ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ኣፍሊጣ፡፡

ተመራመርቲ ታሪኽን ስነ-ኳዕትን ዓለም ከምዝሕብርዎ ትግራይ ካብተን ኣርባዕተ ጥንታውያን ሃገራት ዓለም ቅድሚት ትስራዕ ምንባራ ኣብ #ኣክሱም ዝርከቡ ኣሰር መንበረ መንግስቲ፣ መቁፀሪ ግእዝን ፊደልን፣ መተዓዳደጊ ገንዘብን ብዓብይኡ ድማ ኪነ-ጥበባውን ስነ-ጥበባውን ስራሕቲ መርትዖታት እዮም፡፡

ብፍላይ ፊደል ግእዝ ብምቕራፅን ያሬዳዊ ዜማ ናብ ዘበናዊ ሙዚቃ ክሰጋገርን ሊቃውንቲ ቤተ-ክርስትያን ልዑል ግደ ከምዘለዎም ግዝያዊ ኣካያዲ ስራሕ ላዕለዋይ ቤተክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን ሊቀ ጳጳስ ኣህጉረ ስብከት ዞባታት ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ ገሊፆም፡፡

መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኣብ ትግራይ ካብ ዝተመስረተሉ 4 ክፍለ ዘበን ክሳብ 13 ክፍለ ዘበን ኣብ ኣክሱም ከም ዝነበረ ዘዘኻኸሩ ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ መንግስትነት ኣብ ኢድ ሽዋውያን ምስ ኣተወ ግና መንበረ ሰላማ ናብ ተኽለሃይማኖት ብምቕያር ሃይማኖትን መንግስትን ብሽርሒ ከምዝተሓዋወሱ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ወጊኖም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ይፍፅሙ ብምህላዎም ነዚ ንምውጋዝን ህዝባ ንምሕላውን ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ዓርሳ ዝኸኣለትን ናብ ብርኪ ሲኖዶስ ዝዓብን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ከምዝመስረተት ብፁእ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ጴጥሮስ ሓቢሮም፡፡

ብኤፍሬም ረደሀይ

Previous articleቅድመ ኩነት ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ
Next articleእምቢታ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ