Home ዜና ምምላስ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ

ምምላስ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ

845
0

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ክኸውንን ናብ መረበቶም ተመሊሶም ሰላማዊ ናብራ ንምምራሕ ተስፋ ከምዘለዎምን ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገሊፆም፡፡

ወይዘሮ መድህን ገብረሂወት ነባሪት ዞባ ምዕራብ ትግራይ  ወረዳ ፀገዴ እንትኾና ቅድሚ ክልተ ዓመት ብሓይልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ትግራይ  ኲናት ከይተኣወጀ ፅቡቕ  መነባብሮ ይመርሓ ከምዝነበራ ብምዝኽኻር ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ዘጥረይኦ ሃፍቲ ተወሪሩን ስድርአን እውን ተበታቲኑን ከምዘሎ ሓቢረን፡፡

ብሰንኪ ግፍዓዊ ተግባራት ወረርቲ ሓይልታት ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ብተደጋጋሚ ከምዝተመዛበላን ዘስካሕክሕ ግፍዒ ክፍፅሙ ከምዝረአያን ወይዘሮ መድህን ወሲኸን ገሊፀን፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ከተማ ዓብይ ዓዲ ዝርከባ እንትኾና እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ኮይኑ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህፁፅ ክወሃበንን ናብ መረበተን ተመሊሰን ሰላማዊ ናብራ ንክመርሓን ተስፋ ከምዝገብራ ተዛሪበን፡፡

ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ኣደባይ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ዝርከቡ ወዲ 80 ዓመት ወላዲ ታደሰ ምሩፅ እውን እቲ ስምምዕነት ሰላም ስቓይና ንከብቅዕ ክንገብር እምነተይ ዝለዓለ እዩ ኢሎም፡፡

ካብ ከተማ ዳንሻ ተመዛቢሎም ብጥሜት ከቢድ ስቓይ ዘሕልፉ ዘለው ወዲ 70 ዓመት ኣይተ ገ/ሄር ሃፍቱ ድማ ወረርቲ ሓይልታት ካብ  ዞባ ምዕራብ ትግራይ ንክወፁን ዝተበተነ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስን ዘላቒ ሰላም ክረጋገፅን  ንደሊ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ኣብ 2014 ዓ/ም ዕላዊ ኣብ ዝገበርዎ ሓበራዊ መፅናዕቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገበን ኲናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ሓዊሱ ከበድቲ ገበናት ከምዝተፈፀሙ ምርግጋፆም ይዝከር፡፡

ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ

Previous articleስምምዕነት ሰላም ንውድቀት ስርዓት ኢሳያስ
Next articleእዋናዊ መልእኽቲ መንግስቲ ትግራይ