Home ሕርሻ ምርኢት ፍርያት ሕርሻ መቐለ

ምርኢት ፍርያት ሕርሻ መቐለ

753
0

ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር፣ “ኣስቤዛ ኤግዚብሽንን ባዛርን ድሕንነት ቁጠባ ንህላወ ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ ምርኢት ንምክያድ ኣብ ምድላው ከም ዝርከብ ኣፍሊጡ። ገደብ ኣልባ ናህሪ ዋጋ ንምርግጋዕ ይሰርሕ ከም ዘሎ ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ገሊፁ።

ህዝቢ ትግራይ ብፋሽስታውያን ሓይልታት ንልዕሊ 17 ኣዋርሕ ተነቢርዎ ዘሎ ዕፅዋን ክባን ንምቅላል ፣ ሕብረተሰብ ፀጋታት ገደናታቱ ብውነ ተገንዚቡ፣ ንዕለታዊ መነባብሮ ዝውዕሉ ፍርያት ሕርሻ ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ ተረባሒ ንምግባር ብዕቱብ ይሰርሑ ከም ዘለው ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ኣይተ በርሀ ኣርከበ ገሊፆም።

ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢምዎ ዘሎ ገደብ ኣልቦ ናህሪ ዋጋ ንምርግጋዕን ፍርያት ሕርሻን ዕዳጋን ንምትእስሳርን ንምቑፅፃርን ይሰርሕ ከም ዘሎ ድማ ኣይተ በርሀ ኣርከበ ሓቢሮም።

ህዝቢ ትግራይ መሰል ዓርሰ ውሳነኡ ንምርግጋፅ ህዝባዊ ቃልሲ የካይድ ኣብ ዘለወሉ እዋን ብኣንፃሩ ድማ ውልቓዊ ረብሓ ብምቕዳም ሕብረተሰብ ዝጎድእ ተግባራት ዝፍፅም ነጋዳይ ካብ አከይ ተግባሩ ክእረም ድማ ኣማኻሪ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ትግራይ ኣይተ ሃይሉ በርሀ ተላብዮም። “ኣስቤዛ ኤግዚብሽንን ባዛርን ድሕንነት ቁጠባ ንህላወ ትግራይ” ካብ ሚያዝያ 06/2014 ዓ/ም ጀሚሩ ከም ዝሳለጥ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ተሓቢሩ።

ብመርሃዊ ተስፋይ

Previous articleሰብ ክልተ ዓለም
Next articleፋሽስታውያንን መላፍንቶምን ዝፈፀምዎ ገበን ኣንፃር ሰብኣውነት