Home ማሕበራዊ ምርኻብ ዝተጣፍኡ ስድራ

ምርኻብ ዝተጣፍኡ ስድራ

630
0

ዝተጣፍኡ ስድራ ብቴሌፎን ናይ ምርኻብ ስራሕ ንምቕፃል ይሰራሕ ኣሎ፡-ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ትግራይ፡፡

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ትግራይ ኩነታት ዘተ ሰላም ናብ ተግባር እንተወሪዱ ኣቋሪፅዎ ዝነበረ ብስንኪ ኲናት ዝተጣፍኡ ስድራ ብቴሌፎን ናይ ምርኻብ ስራሕ ከምዝቕፅለሉ ሓቢሩ፡፡

ኣብ ትግራይ ብዘጋጠመ ወራር ስዒቡ ብዝተወልዐ ኲናት ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰድራ ክበታተኑን ንዝኸፍአ ሓደጋ ዝተቓልዑን ኮይኖም ድሃይ ስድርኦም ዘይፈልጡ ወገናት ቁፅሮም ቀሊል ከምዘይኮነ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ማሕበር ካብ ዝህቦም ብርክት ዝበሉ ዓይነታት ሰብኣዊ ሓገዝ ሓደ ዝተጠፋፍኡ ኣባላት ሰድራ ምርኻብ ዝጥቀስ እንትኾን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዉሽጢ ዛጊድ ንብርክት ዝበሉ ብስልኪ ከምዘራኸበ ሓላፊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ብርሃኑ መኮነን ሓቢሮም፡፡

ዝተጠፋፍኡ ስድራ ብስልኪ ናይ ምርኻብ ግልጋሎት ብስንኪ ኣብ ከተማታት ትግራይ ዝፍፀም ተኸታታሊ ደብዳብ ነፈርትን ድሮንን ከቋሪፆ ከምዝተገደደን ሕዚ ግና  ኩነታት ስምምዕነት ሰላም ናብ ተግባር እንተወሪዱ እቲ ኣቋሪፅዎ ዝነበረ ብቴሎፍን ዝተበታተኑ ኣባላት ስድራ ናይ ምርኻብ ስራሕ ከምዝቕፅለሉ ሓላፊ እቲ ጨንፈር ኣይተ ብርሃኑ መኮነን ወሲኾም ሓቢሮም፡፡

Previous article“ስምምዕነት ዘተ ሰላም ተግባራዊ ዝኸውን ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ማእኽል ብምግባር’ዩ!”ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
Next articleፃውዒት ውድብ ጥዕና ዓለም