Home ዜና ምርኽኻብ ናይ ጉጀለ ኣፅዋር

ምርኽኻብ ናይ ጉጀለ ኣፅዋር

1225
0

ኣብ ኢድ ሰራዊት ትግራይ ዝነበረ ናይ ጉጅለ ኣፅዋር ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይን መካላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኮሚቴ ምክትታል፣ምርግጋፅን ምኽባር ተልእኾን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኸብሉ ርኽክብ ተኻይዱ።

እቲ ርኽክብ ኣብ ከባቢ መቐለ ዝተኻየደ እንትኾን ብወገን ሰራዊት ትግራይ ብ/ጀነራል ምግበይ ሃይለ ብወገን ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ብ/ጀነራል ደርቤ መኩሪያ መግለፂ ሂቦም እዮም።እቲ ብወገን ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምርኽኻብ ዕጥቂ ህዝቢ፣መንግስቲን ሰራዊትን ትግራይ እንኮ ሕርየኦም ሰላምን ሰላምን ስለዝኾነ እቲ ዝምዕብል ዘሎ ሰላም ዝያዳ ንኽጠናኸርን ኣብ ትግራይ፣ኢትዮጵያን ብሓፈሻ ድማ ቀርኒ ኣፍሪካን ዝተረጋገዐ ሰላም ክሰፍን ዘለና ባህጊ ዘርኢ ኢዩ ክብል ብ/ጀነራል ምግበይ ሃይለ ገሊፁ።

ብወገን ትግራይ ዝግበር ዘሎ ቁርፀኛ ተበግሶ ተግባራዊ ስራሕቲ ዕማም ሰላም በወገን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብ ኢድ ወረርቲ ሓይልታት ዘሎ ሉዓላዊ ግዝኣቱ ክሕሎን ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ ብዕቱብ ክስርሐሉ ከም ዝግባእ ድማ ጀነራል ምግበይ ኣተሓሳሲቦም። ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ወኪሉ ኣብቲ ርኽክብ ማእኸሎት ኣፅዋራት ዝተረኸበ ብ/ጀነራል ደርቤ መኩሪያ ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ተፈፃሚነት ክህልዎ ብወገን ህዝብን መንግስትን ትግራይን ሰራዊት ትግራይን ዝርአ ዘለዉ ቅርቡነትን ተግባርን ዝነኣድ ምዃኑ ሓቢሮም።

ብመሰረት ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ኢድ ሰራዊት ትግራይ ዝነበረ ናይ ጉጅለ ኣፅዋር ስርዓት ሓልዩ ብዘይዝኾነ ዕንቅፋት ርኽክብ ከምዝተፈፀመ ድማ ካብ ኮሚቴ ምክትታል፣ምርግጋፅን ምኽባር ተልእኾን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሎኔል ተፎ ሰኮሌ ሓቢሮም።

ተኽለወይኒ ኪዳነ

Previous articleኣምባሳደር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ንዕላዊ ዑደት ስራሕ መቐለ ኣትዮም።
Next articleፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሃገራት ዓባይ ብሪታንያን ጣልያንን ኣብ ዙርያ መለሽ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ዕዙዝ ኣበርክቶ ክፃወታ ፀዊዖም።