Home ዜና ምርግጋፅ ድሕንነት ህዝቢ

ምርግጋፅ ድሕንነት ህዝቢ

850
0

ድሕንነት ዜጋታት ውሑስ ንምግባር ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ሓደሽቲ ኣባላት ህዝባዊ ፖሊስ ገሊፆም፡፡

ህዝቢትግራይ ህላወኡ ንምርግጋፅ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ኣብ ስራሕቲ ደጀን ከም ልቡን ከምዝሓስቦን ከይነጥፍ ኣብ ውሽጡ ተሰግሲጎም ስግኣት ድሕንነት እናፈጠርሉ ንዝርከቡ ባንዳታት ኣደብ ንምትሓዝን ንምፅራይን ዝተዉሃቦም ህዝባዊ ልኡኽ ብዝግእ ከምዝፍፅሙ ሓደሽቲ ኣባላት ህዝባዊ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ሓድነት ገሊፆም፡፡

ኣብ ዞባ መቐለ ሓላፊ ምክልኻል ገበን ተጋዳላይ ኣብርሃ ወረደ ብወገኖም ህዝቢ ዝደልዮ ዝተረጋዐ ሰላምን ውሑስ ድሕንነትን ንምርግጋፅ ብሙሉእ ዓቕሞም ንምስራሕ ተዳሊዮም ከምዝርከቡ ኣረዲኦም፡፡

ህዝቢ ዝደልዮ ሰላምን ዝተረጋግዐ ፀጥታ ከባቢ ንምፍጣርን ትርግታ ልቢ ህዝቢ ብዝግባእ ብምድማፅ ስርሖም ብዝለዓለ ብቕዓትን ተኣማንነትን ንከረጋግፁ ንኣባላት ፖሊስ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ዓበይቲ ዓድን ነበርትን ክፍለ ከተማ ሓድነት ምስቶም ዝተመደብሎም ሓደሽቲ ኣባላት ህዝባዊ ፖሊስ ተዋዲዶም ከምዝሰርሑ ገሊፆም፡፡

መተሓባበሪ ኮሚቴ ሎጅስቲክስን መኸተን ክፍለ ከተማ ሓድነት ኣይተ ገብረ ተካ ነባሪ ሕብረተሰብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ኲናት ብሙሉእ ዓቕሙ ኣብ ስራሕቲ ደጀን ብምንጣፍ ዝድለ ዓወት ንክምዝገብ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ህዝብን ምምሕዳርን እታ ክፍለ ከተማ ምስ ኣባላት ህዝባዊ ፖሊስ ብምኳን ፀጥታ ከባቢኡ ክምዘረጋግፅ እምነቶም ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ኣብ መንጎ ሕብረተሰብን ሓደሽቲ ህዝባዊ ፖሊስን ዝተኻየደ ሌላን ሓበራዊ ምርድዳእን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ኣካላት ፀጥታን ምምሕዳርን ዝተረኸቡ ኮይኖም ብዝተዋደደ መንገዲ ድሕንነት ሕብረተሰብ ንምርግጋፅ ከምዝሰርሑ ድማ ሓቢሮም፡፡

ብኣሸናፊ ዳርጌ

Previous articleናይ ምውራር ባህግን ድሌትን የብልናን – ፕረዚደንት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል(ዶ/ር)
Next articleትግራይን ጎቦታታን