Home ዜና ምስረታ ትካል ገባሪ ሰናይ ኒው ላይ

ምስረታ ትካል ገባሪ ሰናይ ኒው ላይ

740
0

                                                     

ንሓደ ዓመት ዝኣክል ብኣይተ ፅጋቡ ተክለሃይማኖት ተጣይሹ ብተናፀል ድጋፍ ክገብር ዝፀንሐ ትካል ገባር ሰናይ ኒው ላይፍ ብቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ #ትግራይ ኣፍሊጦ ረኺቡ ብዕሊ ተመስርቱ ኣሎ፡፡

መካየዲ ስራሕ ትካል ገባር ሰናይ ኒው ላይፍ ኣይተ ፅጋቡ ተክለሃይማኖት ትግራይ ገጢምዋ ዘሎ ሰብ ስራሕ ዓፀቦ ስዒቡ ብስእነት ምግቢ ናብ ጎደና ዝወፁን ኣብ ገዝኦም ትዓፅዮም ብሓለንጊ ጥሜት ዝሳቐዩ ዘለዉን ህፃናት መፃኢ ዕድሎም ከይፅልምት ዓሊማ እታ ትካል ከምዝሰርሐትን ንቐፃሊውን ከምትሰርሕን ብምግላፅ ኣብዚ ድማ ኩሉ ማሕበረሰብ ብፍላይ ድማ ዲያስፖራ ትግራይ ሓገዝቲ ክኾኑ ፃውዒት ኣቕርቦም፡፡

እቲ ትካል ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ልዕሊ 9 ሚእቲ ሽሕ ብር ወፃኢ ብምግባር ንዝተፀገሙ ወገናት ክሕግዝ ከምዝፀንሐን ሐዚ ድማ  ንልዕሊ 180 ፅጉማት ህፃናት ንምሕጋዝ ዓሊሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ መድረክ ዝተረከቡ ተወከልቲ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ንሰናይ ተግባር ኣይተ ፅጋቡ ድሕሪ ምምስጋን ትግራይ ገጢምዋ ዘሎ ሰብ ስራሕ ዓፀቦ ህዝቢ ትግራይ ንከቢድ ዓፀባ ስለ ዝተሳጥሐ ኣብ ተመሳሳሊ ዕላማ ዝተጣየሻ ትካላት ወገናትና ካብ መረበቶም ከይተመዛበሉ ክሕገዝሉ ዝኽእሉ መስርሕታት ከተኣታትዋ ምዒዶም፡፡

ብገነት ካሕሳይ

Previous articleዑደት ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኣፍሪካ
Next articleምሕዋይ ዝበረሱ ኣግራብ