Home ዜና ምስረታ ፋብሪካ ስሚንቶ ኣብ ትግራይ

ምስረታ ፋብሪካ ስሚንቶ ኣብ ትግራይ

1196
0

ካብ ከተማ መቐለ 20ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ኣብ እትርከብ ቶጎጋ ኣብ 900 ሄክታር ዝዓርፍ ብ 17 ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ቶጎጋ ተጣይሹ።

ኣካቢ ቦርድ ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ቶጎጋ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ኣሸናፊ ሃይሉ እቲ ፋብሪካ ከም ሃገር ዘሎ ሕፅረት ቀረብ ስሚንቶ ኣብ ምፍታሕ ግደ ከም ዝህልዎ ገሊፆም።           

ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ቶጎጋ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተጀመረ ኮይኑ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ጆኖሳይዳዊ ኲናትን ዛጊድ ናብ ህንፀት ከም ዘይተኣተወ ተገሊፁ።

ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ቶጎጋ 52ሚልዮን ሼር ዝህልውዎ ኮይኑ ካብ ዝነኣሰ 100 ሽሕ ክሳብ 500 ሽሕ ብር ዝበፅሕ እዩ ዝበሉ ኣካቢ እቲ ቦርድ ኣይተ ኣሸናፊ ሃይሉ እቲ ፋብሪካ ብ 17 ነጥቢ 5ቢልዮን ብር ከም ዝምስረትን ናብ ስራሕ ምስ ኣተወ ማዓልታዊ 4000 ሽሕ ቶን ስሚንቶ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከም ዝህልዎ ገሊፆም ።

እቲ ፋብሪካ ኣብ 900 ሄክታር ከምዝዓርፍ ድማ ተገሊፁ። ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ቶጎጋ ትግራይ ካብቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝነበራ ብርኪ ልምዓትን ዕቤትን ብዝበለፀ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ዕቤት ኣብ ምስጋር ዓብዪ ዕድል ከም ዝፈጥርን ሃገራዊ  ጠለብ ዕዳጋ ስሚንቶ ኣብ ምምላእ ግደኡ ከም ዝፍፅምን ተሓቢሩ። ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ሼር ምዕዳግ ከም ዝኽእሉ ዝገለፀት እታ ማሕበር ኣክስዮን ባንክታት፣ ትካላት ፋይናንስ፣ሰራሕተኛታት ስቪል ሰርቪስ ኣክስዮን ምዕዳግ ከም ዝኽእሉ ኣረዲኣ።

ካብ ዝቕፅል ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ኩለን ባንኪታት ኣክስዮን ምሻጥ ከም ዝጅመር እውን ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ።

ብሕሉፍ ካሕሳይ

Previous articleጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ዝተፀሓፎ ደብዳበ ተቀባልነት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ፡፡
Next articleንሓደጋ ምስንጣቕ ማህፀን ዝተቓልዐት ንእስቲ . . .