Home ዜና ምስትኽኻል ሕጋዊ ታሪፍ ተሽከርከርቲ ህዝባዊ ግልጋሎት

ምስትኽኻል ሕጋዊ ታሪፍ ተሽከርከርቲ ህዝባዊ ግልጋሎት

845
0

ፀገም ነዳዲ ምፍትሑ ስዒቡ ኣብ ህዝባዊ ግልጋሎት ዝህባ ተሽከርከርቲ ብፍላይ ናይ ከተማ ታክሲ ሕጋዊ ታሪፍ ከም ዝወፀ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ትግራይ ኣፍሊጡ:: እቲ ዝወፀ ሕጋዊ ታሪፍ ካብ ጥሪ 5, 2015 ዓ/ም ጀሚሩ ከም ዝትግበር ዝገለፀ እቲ ቢሮ ንተግባራውነቱ ሕብረተሰብ ምስ ትራፊክ ፖሊስን ዝምልከቶም ኣካላትን ተዋዲዱ ክሰርሕ ትፅቢት ይግበር ኢሉ::

ብተዛማዲ ሓበሬታ ካብ ትግራይን ማእኸል ሃገርን ዝግበር ምንቅስቃስ ካብን ናብን መንገድን መጓዓዝያን ኣብ ቀረባ ግዜ ከም ዝጅመር እቲ ቢሮ ኣገንዚቡ::ድሕሪ ኣብ ፕሪቶርያን ናይ ሮቢን ዝተኸተመ ውዕሊ ደው ምባል ተፃብኦ ብመንገዲ ኣየር ኣብ ዝግበር ጉዕዞ መዓልታዊ ምምሕያሽ ከምዘሎን ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅልን ሓላፊት ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ትግራይ ወ/ሮ ኣልማዝ ገ/ፃዲቕ ገሊፀን::

ንከቢድ ሕማም ዘለዎም ፣ ጥኑሳት ፣ ሓራሳትን ኣረጋውያንን ቀዳምነት ንምሃብ ተባሂሉ እንተዘይ ኾይኑ መናእሰይ ተጠቀምቲ መንገዲ ኣየር ከይኾኑ ዝኸልከለ ዝኾነ ኣካል ወይ ኣሰራርሓ ከምዘየለ ድማ ወ/ሮ ኣልማዝ ወሲኸን ገሊፀን::#ብሕሉፍ ካሕሳይ

Previous articleምትእጉጓል ተጓዓዝቲ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ
Next article”ሰላም ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ጉዳይ ኣማራፂ ዘይኮነስ ጉዳይ መትከላዉን ስትራተጂካዉን ረብሓ ዘረጋግፅ ኢዩ”። ፕረዚዳንት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚኬኤል ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ 6ይ ዘበን 5ይ ስሩዕ ጉባኤኡ የካድ ኣሎ።