Home ዜና ምስናድ ታሪኽን ጀግንነትን ትግራይ

ምስናድ ታሪኽን ጀግንነትን ትግራይ

1260
0

ወርቃዊ ታሪኽን ጀግንነትን ህዝቢ ትግራይ ብዝግባእ ብምስናድን ብምዕቃብን ናብ መፃኢ ወለዶታት ክስጋገር ኣለዎ፡፡

ጀግንነትን ፅንዓትን ክፍለ ሰራዊት ሰዓረ ትዝንትው “መፅሓፍ ቅያ 30” ብዝብል ርእሲ ብክፍለ ሰራዊት ሰዓረ ዝተዳለወት መፅሓፍ ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ፣ ሙሁራትን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ተመሪቓ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብዘለዎ ዘኹርዕ ታሪኽን ጅግንነትን ልክዕ ታሪኹ ኣይተሰነደን ዝበለ ኣባል ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ካሕሳይ ተስፋይ /ሓበን/ ቅያን ጅግንነትን ህዝቢ ትግራይ ብዝግባእ ብምስናድን ብምዕቃብን ናብ ወለዶታት ክመሓላለፍ ይግባእ ኢሉ፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ መፅሓፍ ዝተረኸቡ አባላት ሰራዊትን ዕዱማት ኣጋይሽን ብግደኦም ህዝቢ ትግራይ ታሪኹ ኣብ ምስናድ ዝነበሮ ጉድለት ብምእራም ሓቀኛ ጅግንነትን ታሪኽን ህዝቢ ትግራይ ብዝግባእ ክስነድ ከምዘለዎ ሓቢሮም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ወናኒ ነዊሕን ዓሚቅን ታሪኽን ስልጣነን እናሃለወ ኣብ ሕሉፍ እዋናት ታሪኹን ጀግንነቱን ኣብ ምስናድ ጉድለት ከምዝነበሮ ዝሓበሩ ኣምባሳደር ፀጋይ በርሀ ናይዚ ዘመን ወለዶ እቲ ዝነበረ ጉድለት ብእራም ታሪኽን ጅግንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምዕቃብ ዝወስዶ ዘሎ ተበግሶ ዝነኣድ እዩ ኢሎም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ታሪካዊ ፀላእቱ ኣብዚ ሐዚ እዋን ገጢምዎ ዘሎ ፈተና ክስነድ ከምዘለዎ ዝገለፁ ዋና ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ ብወገኖም ቅያን ጅግንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምዕቃብ ብትኹረት ክስርሐሉ ከምዝግባእ  ኣገንዚቦም፡፡

ብታደለ ዳኘው

Previous articleጠላዕ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ድርድር ሰላም
Next articleናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣቱ ጉጅለ  ኮምሽን ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት